ዝተጀመረ መድረኽ ዘተ ሰላም ምስ ካልኦት ‘ውን ተጠናኺሩ ይቐፅል

ሰላም መሰረት ኩሉ ‘ዩ፤ ምስ ጎረቤትካ ይኹን ምስ ካሊእ ሰላም ምፍጣር ናብ መማረፂ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ኩሉ ስለ ሰላም፣ ልምዓትን ዕቤትን ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ብዘይ ሰላም ዕቤትን ለውጥን የለን፡፡ ከምዝፍለጥ ቕድሚ ሕዚ ኣብ መንጎ ኣማራርሓ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ኣጋጢሙ ብዝነበረ ኩናት ኣብ ሂወትን ንብረትን እዛ ሃገር ከበድቲ ክሳራታት ኣጋጢሞም ‘ዮም፡፡

ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ከበድቲ ጉድኣታት ኣጋጢሞም ‘ዮም፡ ፡ ፖለቲከኛታትን ነዚ ፈሊጦም ንሃገር ዝጎድእ ምንቕስቃሳት ክገብሩ የብሎምን፡፡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ካልኦት ኣብ ዝተፈላላዩ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝርከቡ ኣካላት ብዛዕባ ሰላም ክሰርሑ ድማ ኣለዎም፡፡

ኩልና ስለ ሰላም ክንሓስብን ከንሰርሕን ኣለና፤ካብ ፀገም ወፂእና ናብ ልምዓት ከመይ ከምእንሰጋገር ክንሓስብን ከንሰርሕን ይግባእ። ዋላ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሰላም ብዙሕ ትርጉም ዘለዋ ምዃና ብምግንዛብ ንሰላም ሃገርን ህዝቢታትን ቕድሚኣ ብምሃብ ሰላምና ምሕላው የድሊ፡ ፡

ኣጋጢሙ ብዝነበረ ኩናት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወገናትና ንዝኸፍአ ፀገም ተሳጢሖም ‘ዮም፤ ናይ ፖለቲካ ምፍልላይ ዋላ እንተጋጠመ ብምርድዳእ ክፍታሕ ኣለዎ፤ ንናይ ሓባር ረብሓ ዝኾኑ ተግባራት ክንፍፅምን ከንለዓልን ኣለና፤ ጎንፂ ትርጉም የብሉን፡፡ ንሰላምና ዝፈታተኑና ዘለዉ ፀገማት ኩሉ ግዜ ብዘተ ከንፈትሖም ኣለና፤ ሕዚ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ትግራይን ዓፋርን ዝነበረ ውስን ፀገም ንምፍታሕ ምጅማር ዝነኣድ ‘ዩ፡፡

ብሰንኪ እቲ ኩናት ብዙሓት ወገናት ተፈናቒሎም ‘ዮም፡፡ ኣብቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ዝተፈፀሙ ዘየድልዩ ተግባራት መሰረቶም ብፖለቲካዊ ፀገም ዝተፈጠሩ እምበር ብናይ ህዝቢ መሰረታዊ ፀገም ኣይኮኑን፡፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ፀገም የብሉን፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት ብዝተፈጠረ ፀገም ህዝቢ ናብ ፀገም እናቓለዐ ይርከብ፡፡

ክልቲኦም ህዝብታት ናይ ደገ ወረርቲ ሓይልታት ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ምምካት ሓበራዊ ታሪኽ ዘለዎም ህዝብታት ‘ዮም፡፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ርክቦም ‘ውን ስጡም ‘ዩ፡፡ ብናይ ፖለቲከኛታት ሸለልትነትን ዝመፁ መዘዛት ይቕሬታ ብምብህሃል ርክብ ህዝቢታት ምጥንኻር የድሊ፡፡ ጉዳይ ሰላም ቐዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመረሐ ጉጀለ ልኡኽ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባን ካብኔኦምን ስለ ሰላም ክልቲኦም ህዝቢታት ተዛቲዮም ምንባሮም ይዝከር ‘ዩ፡፡

ክልቲኦም ወገናት ንኽልቲኡ ህዝቢ ንቕድሚት ዘሰጉም ሃናፂን ዕውትን ዘተ ኣካይዶም ‘ዮም፡ ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ክልቲኣዊ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ኣብዪ ግደ ኣለዎ፡፡ ክልቲአን ክልላት ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምትእስሳር ንምፍጣር ርክብ ህዝቢ ምጥንኻር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ፡፡ እዚ ዘተ እዚ ምስ ካልኦት ክልል ከም ክልል ኣምሓራ ‘ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፡፡

ድሕሪ ኣብ ሰመራ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ቐፂሉ ኣብ መቐለ ምክያዱ ኣዝዩ ዝነኣድ ተግባር ‘ዩ፡ ፡ ምኽንያቱ ከም ሃገር ተደጋጊፍካ ምኻድ ተዘይተኻኢሉ ክሳርኡ ከቢድ ‘ዩ፡፡ ኩሉ ተጎዳኢ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ መራሕቲ ኮይኑ ከይተርፍ ጥንቃቀ ክግበር ኣለዎ፡፡ ናብ መሬት ክወርድ ይግባእ፡፡

ብሓፈሻ ጥራሕ ምስ ህዝቢታት ኣፋር ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ከም ጎረቤት ህዝቢ ኣምሓረን ካልኦትን ዘተ ሰላም ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፡፡ ኣብ ክልቲኦም ህዝብታት ይኹን ካልኦት ህዝቢታት ኣጋጢሙ ዝነበረ ጉድኣት ብምሕካም ብሓባር ንቅድሚት ምስጓም እምበር ካብዚ ወፃኢ ካሊእ መማ ረፂ ስለዘየለ እዚ ዘተ እዚ ም ስ ክልል ኣምሓራ ‘ውን ብዝተጠናኸረ መል ክዑ ክካየድ ኣለዎ፡፡ ወጋሕታ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You