ሃገራዊ ፀገማት ብምኽክር ንምፍታሕ ግደ ምሁራን

ትንታነ ዜና

ምሁራን ብምምሃር፣ መፅናዕትን ምርምርን ብምፍላቕን ንህንፀት ሃገር ልዑል ብፅሒት ኣለዎም። ብፍላይ ሃገራዊ ፀገማት ነቒስካ ብምውፃእ ፍታሕ ንክረኽቡ ምስራሕ ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ዓብዪ ሓላፍነት ‘ዩ። ንሰላምን ልምዓትን ዕንቅፋት ዝኾኑ ፀገማት ብዘላቕነት ብምፍታሕ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዝድለ ዕብየት ንምምፃእን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ይግለፅ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ጎንፂ ንዘሳጥሑዋን ንዘይምርድዳእና መንቀሊ ንዝኾኑን ኣፈላላያት ብምኽክር ንምፍታሕ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ። እቲ ኮሚሽን ንፀገማት ብምኽክር ንምፍታሕ ኣብ ትሽዓተ ክልላትን ኽልቲኦም ምምሕዳር ከተማታት ኣብ ዝገበሮ መድረኽ ምትእኽካብ ኣጀንዳን ምኽክርን ልዕሊ 105 ሽሕ ማሕበረሰባት ክሳተፉ ምኽኣሎም መረዳእታ እቲ ኮሚሽን የመላኽት።

ካብ ማሕበረሰብ ዝእከቡ ኣጀንዳታት ‘ውን ዓብዪ ትምህርቲ ዝህቡ፤ ንሃገራዊ ምርድዳእን ዘላቒ ሰላምን ዕዙዝ ተራ ዝፃወቱን ‘ዮም ኢሉ። ኣብዞም መድረኻት ምኽክር ‘ውን ተሳትፎ ምሁራን ጉሉህ ምዃኑ ይግለፅ። ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል፣ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምምፃእን ሓድነት ንምጥንኻርን ግደ ማሕበረሰብ ከምዘሎ ኾይኑ ግደ ምሁራን ልዑል ‘ዩ።

ምሁራን ብምርምሮም፣ መፍትሒ ብምፍላቕ፣ ብፍልጠቶም፣ ንሃገር ዝጎድኡ ፀገማት ነቒስካ ብምውፃእ ኣዝዩ ጠቓሚ ፍታሕ ንምምፃእ ዓብዪ ዓቕሚ ኣለዎም። ሎሚቕነ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሓሳብ ምሁራን ኣብ ምትእኽካብ ኣጀንዳን ኣብቲ መድረኽ ምኽክርን ንምክታትን ጭቡጥ ውፅኢት ንምምፃእን 6 ሕዳር 2017 ዓ.ም ካብ 56 ዩኒቨርስትታት ምስ ዝተውፃእፅኡ ልሂቃንን ተወከልቲ 5ተምሃሮን ምኽክር ኣሳሊጡ።

ሃገራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ ሰላማዊ፣ ፈታዊ ሃገር፣ ምኽንያታዊ ወለዶ ምፍራይ፣ ንዝተሰሓሓተ ትርኽቲ ምእራም ኣድላዪ ‘ዩ። ሰላማዊ፣ ፈታዊ ሃገርን ምኽንያታውን ወለዶ ንምፍራይ ኾነ ዝተሰሓሓተ ትርኽቲ ንምእራም ድማ ምሁራን ዘለዎም ግደ ዓብዪ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝስትውዐል ዘይምርድዳእን ጎንፅን ዘላቒ ፍታሕ ንኽረክብ ንምግባር ኮሚሽን ምኽክር እናሰርሖ ኣብ ዝርከብ ስራሕ ምሁራን እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ሃገርና እናጋጠማ ዝርከብ ፀገም ንምፍታሕ ኸ ግደ ምሁራን እንታይ ‘ዩ? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ምሁራን ርኢቶኦም ሂቦምና።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤ መለሰ ጥፉ፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሰሪሑ፤ ሕዚ ‘ውን እናሰርሐ ይርከብ፤ ጎንፅን ዘይምርድዳእን እናምፅኡ ዝርከቡ ጉዳያት ነቒስካ ንምውፃእ ናብ ታሕቲ ብምውራድ ምስ ማሕበረሰብ እናገበሮ ዝርከብ ምይይጥ ዝተባባዕ ‘ዩ ይብሉ።

እቲ ኮሚሽን ንሰላምን ልምዓትን ሃገር ዕንቅፋት ዝኾኑ ፀገማት ነቒስካ ንምውፃእን ሰላም ንምምፃእን ምስ ምሁራን ዩኒቨርሲቲ፣ መምህራን፣ ሰራሕተኛታት፣ ተምሃሮን ማሕበረሰብን ብርክት ዝበሉ ምይይጣት ገይሩ ‘ዩ፤ እቶም ምይይጣት ‘ውን ቐዲሞም ዝነበሩ ኣሉታዊ ትርኽትታት ብምእራም ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምብፃሕ ዘኽእል ምዃኑ ይገልፁ።

ብብርኪ ሃገር ዝግበር ምኽክር ብርክት ዝበሉ ፀገማት ናብ ሓደ ኣምፂኡ፤ ሓባራዊ ኣጀንዳ ንምሕንፃፅ፣ ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ የኽእል፤ ፅቡቕ ውፅኢት ‘ውን የምፅእ ኢሎም።

ምኽክር ሓባራዊ ፀገም ናብ ሓባራዊ ሃፍቲ ንምምፃእን ንዕንቅፋታት ሓባራዊ ፍታሕ ብምሃብ ብሰላምን ሓድነትን ንምንባር ዓብዪ ጥቕሚ ኣለዎ ዝብሉ እቶም ምሁር፤ ሓባራዊ ፍታሕ ንምምፃእ ‘ውን ኣብ ኢትዮጵያ ምኽክር እናተገበረ ‘ዩ ክብሉ ይዛረቡ።

ሃገራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ ምሁራንን መምህራንን ኣፈላላይ ዘምፅኡ ነገራት እንታይ ‘ዮም ኢሎም ሰፊሕ መፅናዕቲ ምግባር፣ ኣፈላላያት ሰፊሖም ፀገማት ከይጋደዱ ፍታሕ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለዎም ዝበሉ ኣይተ መለሰ፤ ምሁራን ወለዶ ብስነ-ምግባር ብምህናፅ፤ ንማሕበረሰብ ብፅቡቕ ምግልጋልን ምርምር ብምስራሕን ነቲ ምኽክር ጋህዲ ናይ ምግባር ግደኦም ልዑል ምዃኑ ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዋና ዳይሬክተር ኮሌጅ ሳይንስ ሕክምና ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ መለሰ ኣምሽጎ ብወገኖም፤ እቲ ኮሚሽን እናሰርሖዝርከብ ስራሕ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምምፃእ ተስፋ ዝህብ ‘ዩ። እቲ ሃገራዊ ምኽክር ተጠናኺሩ እንተቐፂሉ እቲ ናይ ቐደም ሓድነት ህዝቢ ተመሊሱ ክመፅእ ‘ዩ፤ ባህልን ሃይማኖትን ኣኽቢርና እንተኸይድና ኢትዮጵያዊ ሓድነትና ምምፃእ ንኽእል ኢና፤ ሓድነት ንምምፃእ እናተገበረ ዝርከብ ምኽክር ዝበረታታዕን ሰናይ ውፅኢት ንምርካብ ተስፋ ዝህብን ‘ዩ ይብሉ።

እቲ ኮሚሽን ምኽክር እናሰርሖ ዝርከብ ስራሕ ባህሊ ምስ ባህሊ፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣተዓሪቑ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ዘኽእል ምዃኑ ገሊፁ፤ ነዚ ንምስኻዕ ምሁራን ዘለዎም ግደ ልዑል ‘ዩ፤ ሃገርና እናጋጠሙዋ ንዝርከቡ ፀገማት ፈቲሕኻ ሓድነት ንምምፃእ ተምሃሮ ሃገራዊ ፍቕሪ ንክህልዎም ገይርካ ምምሃር፤ ንህዝቢ ብሓድነትን ማዕርነትን ዝመርሕ ወለዶ ናይ ምፍራይ፣ ፀገማት ብምርምር ናይ ምፍላይ፣ ንዝተፈለዩ ፀገማት ዘየዳግም ፍታሕ ናይ ምሃብ ግቡእ ኣለዎም ክብሉ ይሕብሩ።

ሃገር ዝመርሕ ምሁር ‘ዩ። ሃገር ዝመርሕ ምሁር ዝወፅእ ካብ ዩኒቨርሲቲ ‘ዩ። ካብዚ ብምብጋስ ምሁራን ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ ሃገር ዝፈትዉ ጥዑያት ዜጋታት ኾይኖም ንኽወፁ ናይ ምግባር ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ምምይያጥ፣ ምምኽኻር፣ ሓሳብ ምልውዋጥን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ምብፃሕን ኣድላዪ ‘ዩ። ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምብፃሕ ‘ውን እቲ ኮሚሽን ምኽክር እናሰርሖ ዝርከብ ስራሕ ዝተባባዕ ‘ዩ ክብላ መምህር ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ፈሪያ ሃሰን(ዶ/ር) ይዛረባ።

ዜጋታት ብፍቕርን ሓድነትን ንኽነብሩ ንምግባር ግደ ምሁራን ዝለዓለ ‘ዩ፤ ንሕና ምሁራን ናብ ጎንፂ ዘሳጥሑና ዘይምርድዳኣት ብምፍላይ ነቶም ፀገማት መፍትሒ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለና፤ ነዚ ሓላፍነትና ክንዋፃእ ይግባእ ክብላ ገሊፀን። ሃገራዊ ሓድነት ንምምፃእ ጎንፂ ዘለዎም ክልላት ኣብቲ ምኽክር ናይ ምክታትን ምስታፍን ስራሕ ክስራሕ ይግባእ፤ ንኹሉ ዘሳተፈ ምኽክር ብምግባር ንሃገር ናብ ሓድነት ናይ ምምፃእ ስራሕ ምስራሕ ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢረን።

ሃገራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ ምሁራን ተምሃሮ ናይ ምምሃር፣ ናይ ሓሳብን ልምድን ልውውጥን ናይ ምግባር ግደኦም ናይ ምፅዋት፣ ኣቦታት ሃይማኖት ምእመናን ናይ ምምሃር ኸምኡ ‘ውን ካብ ብሄር ብሄረሰባት ንዝተውፃእፅኡ ማሕበረሰባት ብዛዕባ ሰላም ብምስልጣን በቢኸባቢኦም ንዝርከቡ ሰባት ንኸምህሩ ናይ ምግባር ሰራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ የመላኽታ።

ሃገራዊ ምኽክራት ብምግባር ሰብ ዋና ሓዱሽ ዝዓበየን ዝተለወጠን ስርዓት ንምዃን ኣብ መንጎ ዜጋታት ዝሓሸ ማሕበራዊ ርክብ ንኽህልው ምቹው ኩነታት ንምፍጣር፤ ኸምኡ ‘ውን ጎንፅታት ብዘላቕነት ንምፍታሕን ምይይጥ ባህሊ ዝገበረ ኣፈታትሓ ፀገም ንኽምዕብል ምሁራን ጉሉህ ብፅሒት ኣለዎም። ነዚ ግደኦም እንተተዋፂኦም ‘ውን ዝድለ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ምምፃእ ቐሊል ከምዝኸውን ብዙሓት ይስማዕምዑ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You