ኣንብቡ፤ፀሓፉ፤ተሳተፉ!

ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ን83 ዓመታት ኣብ ሕትመት ጋዜጣን መፅሄትን ስራሕ ተዋፊሩ ኣብ ታሪክ ሃገርና ዘይትካእ ግደ ዝተፃወተን እናተፃወተን ዝርከብ ፈላሚ ዘመናዊ ሕትመት ሚዲያ ሃገርና ‘ዩ፡፡ኣብ 83 ዓመታት ጉዕዞኡ ብ1933 ዓ.ም ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ምሕታም ካብዝጀመረሉ ወርሒ ግንቦት 1933 ዓ.ም ክሳብ ሐዚ ኣሎ፡፡

ብእንግሊዝኛ ብዘይካ ሶኒ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ ግዜ ዝሕተም ጋዜጣ ዘኢትዮጵያን ሄራልድ፣ ሰሙናዊ ናይ ዓረብኛ ኣልዓለምን ናይ ኣፋን ኦሮሞ በሪሳ ጋዜጣታት ከምኡ’ውን ብቋንቋ ኣምሓርኛ መፅሄት ዘመን ኣብ ክልተ ወርሒ እናሓተመ ንኣንበብቲ ኣብ ምቕራብ ነዊሕ ዓመታት ተጓዒዙ’ዩ፡፡

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ብቋንቋ ትግርኛ ጋዜጣ ወጋሕታ ፤ብቋንቋ ሲዳምኛ ድማ ጋዜጣ ባካልቾ ብምሕታም ኣብ ብዝህነት ቋንቋ ክብ ክብል ገይሩ ‘ዩ፡፡ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ ድማ ንህፃናት ዝኸውን ፈላማይ መፅሄት ‹‹ብላቴናት›› ብምሕታምን ኣንበብቲ ወለዶ ንም ፍጣር እጃሙ ኣብ ም ውፃእ ይርከብ፡፡

ትካልና ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት በብእዋኑ ዝነበሩ ፖለቲካዊ፣ማህበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዛዕባታት ሃገርና ብምስናድን መረዳእታታት ናብ ህዝቢ ብምቕራብ ግቡኡ እናፈጸመ ኣብዚ በፂሑ ኣሎ፡፡ ቅድመ ኣርባዕተ ዓመ ምሕታም ዝጀመረት ጋዜጣ ወጋሕታ’ውን ኣብዚ ታሪኽ እዚ ተፀምቢራ ኣላ፡፡ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕታ ዓመታት ብቋንቋ ትግርኛ ሃገራ ዊን ክልላዊን ሓበሬታት ብምሕታም ኣብ ታሪክ ማህደር ሰኒዳ ‘ያ፡፡

ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብ 83 ዓመታት ታሪኹ ንሃገርን ንተመራመርቲን ዝኸውን ናይ ፎቶ ግራፍን ናይ ጋዜጣ ፅሑፍ መረዳእታ ፍልፍል ‘ዮ፡፡ናይ ታሪክን መረዳእታታት ሃፍታም ትካልውን ‘ዩ፡፡ኣብ ዕቤት ስነፅሑፍ ሃገርና’ውን ዘይትካእ እጃም አበርኪቱ ኣሎ፡፡ኣብዚ ነዊሕ ታሪኽ ጋዜጣ ወጋሕታ’ውን እጃማ ኣወፍያ ‘ያ፡፡

ናይ ሃገርና ናይ 83 ዓመታት መብዛሒቲኦም ዕለታዊ ኽስተታት መረዳእታትት ብፎቶን ብፅሑፍን ኣብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ይርከቡ፡፡ትካልና ኣብዚ ሐዚ እዋን ነባር ናይ ህትመት ውፂኢታቱ ብትሕዝቶን ብዲዛይንን ንምምሕያሽ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ጋዜጣ ወጋሕታ’ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ሕትመታታ ዝነበሩ ጥንካረን ድኽመትን ብምፍላይ ኣብ መበል ሓምሻይ ዓመታ ምምሕያሽ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ብምግባር ንኣንበብቲ ተበፃሒ ንምግባር እናሰርሐት ትርከብ፡፡

ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ ኣማራፂ ናይ ሃሳብ መኣዲ የድልዮ ‘ዩ፡፡ በዚ መንፅር ብዙሕ ተዛራቢ፣ዝደርጀወ ናይ ስነፅሁፍን መረዳእታን ልውውጥ ባህሊ ካብዘለዎም ህዝብታት ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብፌደራል ብርኪ ብቋንቋኡ ጋዜጣ ክህልዎ ግድን ስለዝኾነ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተጀመረት ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ምጥንኻርን ሓሳብ ኣብ ምሓብን ምስታፍን ኩሉ ክነጥፍ ይግባእ፡፡

ጋዜጣ ወጋሕታ ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ መማረጺ ናይ ሓሳብ መኣዲ ኮይና ዝተፈላለያ ሓሳባት ክተተኣናግድ፣ ብመረዳእታት ዝዓሞቑ ዜናታት፣ትንታኔ ዜናታትን ሓተታታት ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ሃገርና ፖለቲካዊ ፣ኢኮኖሚያዊን ማህበራዊን ጉዳያት ፍልጠት ዘለዎም ኣጋይሽ ብቓለ መሕታት መልክዕ ብምቅራብ መረዳእታን ፍልጠት ህዝቢ ንክረክብ እናገበረት መፂኣ ኣለ፡፡ሐዚ’ውን ትቕፅል ኣላ፡፡

ጋዜጣና ኩሎም ሓሳባት ዝተኣናገዱላ፣ናይ ሃገርና ኩለመዳያዊ ምንቅስቃስ ንተዛራብትና ኣንበብቲን ትግርኛ ዝቀርቡላ፣ጉዳይ ኢትዮጵያ/ትግራይ ከምኡ’ውን ጎረቤት ሃገራት ማእኸል ገይራ ዜናታትን ካልኦት ስራሕቲን ብምስራሕ ፁፁይ ሓበሬታ እናቕረበት መፂኣ’ያ፡፡ሐዚ’ውን በዚ ስለትቕፅል ተሳትፎ ኣንበብቲ ኣድላይ ስለዝኾነ ተሳተፉ፡፡

ኣንበብቲ ጋዜጣና ዝኾንኩም ርኢቶ ብምሃብ፣ኣብ ዓምድታት ነጻ ሓሳብ ሓሳብኩም ንክሕተመልኩም ብምልኣኽ ንኽትሳተፉ ሐዚ’ውን ንዕድመኩም ኣለና፡፡ምሕርቲን ግልጋሎትኩም’ውን ንኣንበብቲ ቋንቋ ትግርኛ በተመጣጣኒ ዋጋ ንክበፅሐልኩምውን ናብ ጋዜጣ ወጋሕታ ምፅኡ፡፡ብሓፈሻ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣንብቡ፤ኣብ ጋዜጣ ወጋሕታ ሓሳብኩም ፀሓፉ፣ኩለ መዳያዊ ተሳትፎ ግበሩ፡፡

ወጋሕታ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You