ኣብ ቀረባ ግዝያት ብነዊሕ ርሕቐት መም (ትራክ) ኣብ ዓለም እናቐነሱ ምኻዶም ናይቲ ርሕቐት ከዋኽብቲ ኣትሌታት ዝፈጠሮ ፅዕንቶ ብግልፂ ተራእዩ ‘ዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ብዙሓት ናይ ትራክ ኣትሌታት ብግዜ ገፆም ናብ ውድድር ጎዳና ንምዛር ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ እዚ ድማ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን ዝበሉ ሃገራት ዓለምለኸ ናይ መም ርሕቐት ዘለወን ውፅኢት ዓብይ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ናይ ብዙሓት እምነት ‘ዩ፡፡
እዚ ድማ ኦሎምፒክን ቻምፒዮና ዓለምን ዝኣመሰሉ ውድድራት ተራእዮም ‘ዮም፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ብነዊሕ ርሕቐት ብፍላይ ድማ 5ሽሕን 10ሽሕን ሜትሮን ውድድራት ካብ ኦሎምፒክ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ስግኣት ከምዝኾነ እናተዘረበ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ዝተሰምዐ ዜና ግና ውድድራ መም ዘነቃቅሕ ‘ዩ ተባሂሉ ተስፋ ተገይርሉ ‘ዩ፡፡ ኣብ ውድድር መም ታሪኽ ዓብይ ሽልማት ዘርክብ ‹‹ ግራንድ ስላም ›› ውድደር ኣብ ዝመፅእ ሚያዝያ ኣብ ኣሜሪካ ከምዝጅምር ዕላዊ ተገይሩ ‘ዩ፡፡
እዚ ውድድር ኣብ ቀረባ ዓመታት ብምኽንያት ውድድር ቁፅሪ ምንኣስ እናዛሓለ ዝነበረ ጉያ ትራክ ከነቃቅሕ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኾን ፤ ብነባር ናይ ኣርባዕተ ግዜ ተዓዋታይ ኦሎምፒክ ኣትሌት ማይክል ጆንሰን ዝተመስረተ ‘ዩ፡ ፡ ናይ ትራክ ‹‹ ግራንድ ስላም ›› ውድድር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝመፅእ ሚያዝያ 2025 ናይ ትራክን ተግባራት ሜዳን ንሕንሕ ኣካቲቱ ከምዝካየድ ተፈሊጡ ‘ዩ፡፡
እቲ ውድድር ዝተዓለመ ኣትሌታት ተነሓናሕቲ መም ናይ ምርኣይን ዕድል ስፖንሰርሺፕ ንክረኽቡ ንምሕጋዝን እንትኾን፤ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ኦሎምፒክ ብኣንፃሩ ‹‹ ግራንድ ስላም ›› ትራክ ሊግ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ዝካየድ ‘ዩ፡፡ እዚ ‘ውን ዓበይቲ አትሌታት ብተደጋጋሚ ነኒባዕሎም ንክፎኻኸሩ ዝተፈላለዩ ዕድላት ንክረኽቡ ዕድል ዝኸፍት ‘ዩ ተባሂሉ ይእመን፡፡ እቲ ውድድር ብኽልቲኡ ፆታ ካብ 100 ሜትሮ ክሳብ 5ሽሕ ሜትሮ ዝጎዩ ኣትሌታት ኣብቲ ውድድር ብዘመዝገብዎ ዝሓሸ ሰዓት መሰረት ተጋቢዞም ወይም ብማናጀሮም ናይ ምስታፍ ዕድል ንክረኽቡ ዝሕግዝ ‘ዩ፡፡
ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ፅጌ ገብረሰላማ በዚ ውድድር ኣቐዲማ ብምምዝጋብ ናይ መጀመርያ ኣትሌት ከምዝኾነት ተፈሊጡ ‘ዩ፡፡ ልክዕ ከም ፅጌ ኹሎም ካብ መም ውድድራት ወፂኦም ኣብ ጎዳና ውድድር ትኹረቶም ዝገበሩ ብዙሓት ኸዋኽብቲ ኣትሌታት ናብ ውድድር ትራክ ከምዝምለሱ ትፅቢት ይግበር፡፡ ብተደጋጋሚ ውድድራት ትራክ ቁፅሮም እናቀነሰ ‘ዩ ዝብሉ ኣሰልጠንትን ኣትሌታትን እዚ ውድድር ዝሓሸ ዕድል ሒዙ ከምዝመፀን ዝተፈላለዩ ባዓል ሞያታት ኣትሌቲክስ ሓሳቦም ሂቦም ‘ዮም፡፡
ብሓፈሻ 96 ኣትሌታት ዝሳተፍሉ ሓድሽ ትራክ ግራንድ ስላም ሊግ ብኣርባዕተ ግራንድ ስላም ውድድራት ናይ መጀመርያ ዓመት ክሳብ 12.6 ሚልየን ዶላር ሽልማት ከምተዘዳለወ ተፈሊጡ ‘ዩ፡፡ ሕድ ሕድ ውድድር ብድምሩ 3 ሚልየን ዶላር ዝፅጋዕ ገንዘብ ንሽልማት ቀሪቡ ‘ዩ፡፡ ኣብ ከተማ ሎስኣንጀለስ ተቐማጥነቱ ዝገበረ ናይ ትራክ ‹‹ ግራንድ ስላም ›› ውድድር ልዕሊ 30ሚልየን ዶላር ኢንቨስትመንት ነቲ ውድድር ከምዘዳለወ ‘ውን ኣረጋጊፁ ‘ዩ፡፡
ሌትስ ረን ዝተብሃለ ድህረ ገፅ ኣትሌቲክስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ መሰረት እቲ ውድድር ኣብ ሎስኣንጀለስ ፣ኒውዮርክ ፣ ጀማይካ ኪንግስተን ከምኡ ‘ውን ኣብ እንግሊዝ በርሚንግሃም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኽልተ ሰሙን ፤ ኣብ ወርሒ ጉንበት ኽልተ ሰሙን ከምዝካየድ ፀብፂቡ ኣሎ፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም