ልምዓትን ዕቤትን ክረጋገፅ – ሰላም ምስፋን ፈላማይ ሕርያና ይኹን

ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ሓሳብ ይኹን ፖለቲካዊ ኣፈላላይን ክህሉ ንቡርን ተፈጥሮኣዊን ‘ዩ:: ንሓደ ኣካል ግድን ከም ናተይ ኣተሓሳስባ ኣይትሕዝን ከትብሎ ኣይትኽእልን:: ኣብ ዝመዓበሉን ዘይመዓበሉን ሃገራት ኩሉ ግዜ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣሎ::

ይኹን ‘ምበር ኣብ መብዛሕተአን ዘይመዓበላ ሃገራት እቲ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ወይ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ናብ ጎንፂ እንተምርሕ ኣብ ዝማዕበሉ ሃገራት ግና መብዛሕትኡ ግዜ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብፖለቲካዊ ዘተ እንትፈትሕዎ ‘ምበር ናብ ጎንፂ ከምርሑ ኣይኮኑን ዝረኣዩ:: ኣብ ሃገርና ከንርኢ እንተለና ግና መብዛሕትኡ ግዜ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብህልኽን ጎንፅን ዝፍታሕ እናመሰለና ቐልጢፍና ናብ ጎንፂ ንኸደሉ ኹነታት ዳርጋ ልሙድ ‘ዩ::

እዚ ድማ ክስተኻኸል ዝግበኦ ጉዳይ ‘ዩ:: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ዓመት ስራሕ ዘመን ብወከልቲ ህዝቢ ምስ ፖለቲካዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ዝተለዓለሎም ሕቶታት መልስን መብርህን እንትህቡ ከምዚ ክብሉ ገሊፆም ነይሮም:: ‹‹መርገፂና፣ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣመን ንሰርሕ ‘ውን ዘለና::

ካብ ናይ ሓይሊ መማራፂ ንላዕሊ ናይ ሰላም መማራፂ ውፅኢታዊ ‘ዩ፤ መንግስቲ ጎንፂታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ቀዳምነት ሂቡ እናሰርሐ ዝመፀን እናሰርሐን ዝርከብ ‘ዩ::›› ስለዚ ካብዚ ንርደኦ ነገር፣ ሓይሊ ከም መማረፂ ምውሳድ ዘዋፅእ ኣይኮነን:: ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ኣለዎ:: መንግስቲ ‘ውን ዘለዎ መርገፂ፣ ዝኾነ ይኹን ዘይምስምዕማዕ ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ ‘ዩ::

ስለዚ ከም ፋኖን ሸኔን ዝበሉ ኣካላት ‘ውን ናይ መንግስቲ መርገፂ ክሕዙ ኣለዎም:: በዚ ምኽንያት ድማ ብሰላማዊ ዘተ ፀገሞም ክፈትሑ ይግባእ:: ምኽንያቱ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ውግኣት ተኻይዶም ንትርፊ ጉድኣት ጥር ትብል ጥቕሚ ኣየመፅኡን:: ኲናት ንኢትዮጵያ ንደሓር መሊስዋ ‘ዩ፤ ብሓይልን ብፅልእን ኣብ ዕላማ ምብፃሕ ኣይከኣልን:: በዚ መንገዲ ዕላምኡ ከዐውት ዝኽእል ኣካል የለን።

ቓልሲ ብሓሳብ ‘ምበር ብጥይት ክኸውን ኣይግባእን:: ስለዚ ልዕሊ ኩሉ ሰላም ብዘይዘርግ መንገዲ ምኻድ የድሊ:: ዕቤትን ለውጥን ብሰላም ‘ምበር ብጎንፂ ኣይመፅእን:: ንስራሕቲ ልምዓትን ዕቤትን ሰላም ኣገዳሲ ምዃኑ ብዝግባእ ምግንዛብ የድሊ:: ካብ ኩናት ክሳራ ‘ምበር ጥቕሚ የለን:: ሓንቲ ሃገር ጭቡጥ ለውጢ ክተምፅእ እንተኾና መጀመርታ ሰላም ክተስፍን ኣለዋ:: ሰላም ድማ ብስራሕ’ምበር ብሕልሚ ኣይመፅእን:: ልምዓትን ዕቤትን ክመፅእ ሰላም ናይ መጀመርያ ሕርያ ወዲ ሰብ ክኸውን ይግባእ::

ምኽንያቱ ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ክረጋገፅ እንተዘይክኢሉ ዝኾነ ዓይነት ምዕባ ምምፃእ ይቕረ ነቲ ዝነበረካ ‘ውን ‘ዩ ዘስእነካ:: መንግስቲ፣ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እናተዋግኡ ንዝርከቡ ሓይልታት ብተደጋጋሚ ናይ ሰላም ፃውዒት የቕርብ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና እቶም ሓይልታት ነዚ ተቐቢሎም ፖለቲካዊ ፀገሞም ብሰላም ክፈትሑ ዳርጋ ኣይረኣዩን:: ንኣብነት መንግስቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ምስ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ዝርርብ ከምዘሎ ‘ውን ብተደጋጋሚ ይገልፅ ‘ዩ::

ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ሰላም መንግስቲ ብዝግባእ ብዘይ ምቕባል ክሳኻዕ ኣይረኣይን:: ስለዚ ነዚ ተቐቢሎም ናብ ሰላምን ልምዓትን ክመፁ ይግባእ:: ምኽንያቱ ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ:: መንግስቲ ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ኣብቶም ክልላት ብዙሕ ‘ኳ ሰላም ተዘይሃለወ፣ ኮይኑ ግና ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ንህዝቢ ዘድልዮ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን ጎኒ ንጎኒ ሕጊ ምስ ምኽባር ኣብ ብዙሓት ክልላት ልምዓታዊ ስራሕቲ እናሳላሰለ ይርከብ::

ንኣብነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዓበይቲ ልምዓታት ቱሪዝም፣ መንገድን ኢንዳስትሪን ሰሪሑን እናሰርሐን ይርከብ:: ከም ቤተ መንግስቲ ፋሲል እናሐደሰ ኣሎ:: ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ልምዓት ኮሪደር እናካየደ ይርከብ:: ብተወሳኺ መንግስቲ ግድብ መገጭ ንዝተባህለ ብ7 ቢልዮን ብር መዲቡ እናሃነፀ ኣሎ:: እዚ ኩሉ ዝስራሕ ዘሎ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን በቲ ዘሎ ሰላም ‘ዩ:: ሙሉእ ብሙሉእ ሰላም ተዝኾን ነይሩ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ምስራሕ ይከኣል ነይሩ ‘ዩ::

ስለዚ ናይ ሰላም ዋጋ ብዝግባእ ከንፈልጥ ይግበአና:: ብተወሳኺ መንግስቲ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ካብ ዘለዎ ባህግን ድሌትን ዝተበገሰ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኣጣይሹ እናሰርሐ ይርከብ:: እቲ ኮሚሽን ድማ መንግስቲ ብዝሃቦ ሓላፍነት መሰረት ላዕልን ታሕትን እናበለ ህዝቢታት እናዛተየ ይርከብ:: ስለዚ መንግስቲ ሰላም የምፅኡ ‘ዮም ዝበሎም ኩሎም መማረፂታት እናተጠቐመ ዝርክበሉ ምኽንያት ብዘይሰላም ልምዓትን እቤትን ምርግጋፅ ስለ ዘይከኣል ‘ዩ::

ኮይኑ ግና ኩሉ ንሰላም ሓጋዛይ ተዘይኮይኑ ሰላም ብድሌትን ፃዕሪን መንግስቲ ጥራሕ ክረጋገፅ ኣይኽእልን:: ሰላም ተግባራዊ ንምግባር ኩሉ ዜጋ ክቑርቖረሉን ክሓስበሉን ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ:: እዚ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ከረጋገፅ ዝኽእል ብተሳትፎ ህዝቢን መንግስትን ‘ዩ:: ኣብ ክልል ትግራይ ከንርኢ እንተለና ቅድሚ ከባቢ ሰለስተ ዓመት ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስትን ብሰንኪ ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኩናት ተፈጢሩ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ተጎዲኡ ‘ዩ::

እቲ ዝገርም ድማ እዚ ከይኣክል ሕዚ ‘ውን መራሕቲ ህወሓት ነንርእሶም ናብ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣትዮም ንህዝቢ ናብ ሻቕሎት ኣእትዮሞ ይርከቡ:: እዚ ፍፁም ክኸውን ዘይግበኦ ነገር ‘ዩ:: ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ክንድዝሃለወ ይሃሉ ብዝሰልጠነ መንገዲ ብምፍታሕ ንልምዓትን ሰላምን ጥራሕ ክሰርሑ ይግበኦም:: ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንህዝቢ ካብ ዝነበሮ ቑስሊ ከይሓዊ ዝገብር ስለ ዝኾነ ድሌት ህዝቢ ብምቕዳም ንህዝቢ ምኽሓስ የድሊ::

ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ስለዝኾነ ካብዚ ብተፃራሪ ምኻድ ፍፁም ሰብኣዊነት ዘይተላበሰ ፖለቲካዊ ዕብዳን ‘ዩ ምባል ይከኣል:: ስለዚ ፖለቲከኛታት ምእንተ ሰላም፣ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ብፖለቲካዊ ዘተ ናይ ምፍታሕ ባህልን ልምድን ከዳብሩ ይግባእ፤ ምኽንያቱ እቲ ንኹሉ ዝጠቕም፣ ልዕሊ ኩሉ ሰላምን ልምዓትን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምጉዓዝ ስለ ዝኾነ::

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You