ማራቶን ፍራንክፈርት ንመበል 41 ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት እንትካያድ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ጀርመን ደሚቐም ውዒሎም ‘ዮም። ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሃዊ ፈይሳ ናይቲ ውድድር ክብረወሰን ብምምሕያሽ እንተተማሓይሽ ብደቂ ተባዕትዮ ካብ ኽልተ ክሳብ ሰለስተ ዘሎ ብርኪ ሒዞም ዛዚሞም ‘ዮም፡፡
ናይ 25 ዓመት መንእሰይ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ሃዊ 2፡17፡25 ሰዓት ብምምዝጋብ ናይቲ ክብረ ወሰን ብ1፡45 ምምሕያሽ ክኢላ ‘ያ። እዚ ድማ ኣብ 2024 መበል ዓሰርተ ኽልተ ፈጣን ሰዓት ማራቶን ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ። ማራቶን ፍራንክፈርት ነባር ክብረ ወሰን ብኣትሌት ኬንያዊት ኣትሌት ቫላሪ ኢያቤ 2019 ዝተመዝገበ ‘ዩ።
መበል ካልኣይ ኾይና ዝዛዘመት ኬንያዊት ኣትሌት ማዳላይን ማሳይ ዘመዝገበቶ 2፡18፡58 ሰዓት ናይ ውልቀኣ ፈጣን ሰዓት ካብ ነባር ናይቲ ውድድር ክብረወሰን 2፡19፡10 ዝሓሸ ፈጣን ሰዓት ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ። ካሊእቲ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ሹካ ገነሞ 2፡22፡37 ብምዝዛም መበል ሳልሰይቲ ኾይና ዛዚማ ‘ያ።
ካብ ሓፂር ርሕቐት ውድድራት ፅቡቕ ቅዋም ምርኣይ ዝኸኣለት ሃዊ ኣብ ቀረባ እዋን ገፃ ናብ ማራቶን ኣዚራ ‘ያ። ኣብ 2023 ናይ ዓለም ሃገር ኣቋራፂ ቻምፒዮና መበል ሻድሻይ ብርኪ ሒዛ ዝዛዘመት ሃዊ ኣብ ፍራንክፈርት ብማራቶን ዘመዝገበቶ ሰዓት በቲ ርሕቐት እቲ ዓብይ ዓወታ ተስፋ ንክዋሃባ ዝገበረን ‘ዩ።
‹‹ናይቲ ውድድር ክብረወሰን ንምስባር እቲ ዓብይ ትልመይ ነይሩ፤ ድሕሪ 25 ኪሎ ሜትሮ እዚ ሽቶ ንምምዝጋብ እኹል ዓቕሚ ስለዝነበረኒ ተነፂለ ንቕድሚት ብውፃእ ተጠቂመሉ ‘የ፤ በዚ ድማ ብጣዕሚ ሕጉስቲ ‘የ፤ በዚ ውድድር ትሕቲ 2፡16 ምውዳእ ከምዝካኣል ‘ውን ተረዲአ እየ›› ብምባል ድሕሪ እቲ ውድድር ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ መራኸቢ ሓፋሽ ሓሳባ ሂባ ‘ያ።
ካብቲ ውድድር ቅድም ኢሉ ካብ 2፡21፡17 ዝቐልጠፈ ሰዓት ኣይነበረን። በዚ ድማ ሃዊ ብዝደለየቶ ፍጥነት ንምጉያይ ትልሚ ዝነበራ እንትኾነ ‘ውን ናይቲ ውድድር ኣዳለውቲ ክሳብ 25 ኪሎ ሜትሮ ኣትሌታት ብሓባር ንኽጎዩ ድልየት ነይርዎም ‘ዩ። እዚ ታክቲክ ሰሪሑ ናይቲ ቦታ ክብረወሰን ክመሓየሽ ከምዝካኣለ ተዛሪባ። ኣብ ማራቶን ፍራንክፈርት ኽልተ ኣትሌታት ትሕቲ 2፡20 እንትዛዝማ ሎሚ ዓመት ናይ መጀመርያ ‘ዩ።
ክሳብ ዓሰርተ ዘሎ ብርኪ ዝዛዘሙ ኣትሌታት ናይ ወልቀ ፈጣን ሰዓቶም ምምሕያሾም ናይ ሎሚ ውድድር ዝተፈለየ ገይርዎ ‘ዩ። ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ክብረ ወሰን እንተዘይተመዝገበ ‘ውን ሓድሽ ነገር ግና ዝተርኣየሉ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ‘ውን ብማራቶን ንመጀመርያ ግዜ ዝተናሕነሐ ወዲ 22 ዓመት ኬንያዊ ቤናርድ ቢዎት ብ2፡05፡54 ሰዓት ምሽናፍ ዝኸኣለ እንትኾን፣ ኢትዮጵያዊ ጎሳ ጫላ 2፡07፡35 ብምዝዛም መበል ካልኣይ ብርኪ ሒዙ ‘ዩ። ሌንጮ ተስፋዬ ድማ 2፡08፡ 02 ብምእታው መበል ሳልሳይ ኾይኑ ዝፈፀመ ኣትሌት ‘ዩ።
ገርባ ዲባባ፣ ኣይቼው ደምሴ፣ ወርቅነህ ሰርባስ ብቕደም ተኸተል ክሳብ ሻድሻይ ዘሎ ብርኪ ሒዞም ዝዛዘሙ ኢትዮጵያውያን ‘ዮም። ብኽልቲኡ ፆታ ተዓወቲ ዝኾኑ ኣትሌታት እቲ ርሕቐት ዝዛዝምሉ ሰዓት 4፡23፡19 እንትኾን እዚ ብፍራንክፈርት ማራቶን ናይ ነዊሕ ዓመት ታሪኽ ፈጣን ድምር ሰዓት ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ። ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር ካብ 113 ሃገር ዝተውፅእፅኡ 13ሽሕ 939 ኣትሌታት ናይ ሎሚ ፍራንክፈርት ማራቶን ተወዳዳርትን ድምቐትን ከምዝነበሩ ናይቲ ውድድር ኣዳለውቲ ገሊፆም ‘ዮም።
‹‹ናይቲ ውድድር ክብረወሰን ዝተማሓየሸ ውድድር ብምርኣይና ተሓጕስና ኢና፤ ፍራንክፈርት ፈጣን ሰዓት ማራቶን ምምዝጋብ ከምዝካኣል ኣረጋጊፅና ኢና›› ብምባል ናይቲ ውድድር ዳይሬክተር ፊሊፕ ክሎፕ ንመረኸቢ ሓፋሽ ሓሳቦም ሂቦም ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም