ከይዲ ህንፀቶም ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግም ንምጅማር ምንቕስቓስ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ከይዲ ህንፀቶም ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ 12 ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግም ንምጅማር ምትእኽኻብ እቶት ከምዝተጀመረ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዝኣብሄር ገሊፆም።

መፃኢ ትግራይ ዘግህዱ ብሉፃት መናእሰይ ብሰፊሑ ንምፍራይ ቅድሚ ኩናት ህንፀት 12 ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ተጀሚሩ ምንባሩ ብምዝኽኻር፤ ተጀሚሮም ዝነበሩ ህንፀቶም ንምዝዛም ብር 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ንምእካብ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከቡ እቶም ፈፃሚ ዳይሬክተር ገሊፆም።

ነዚ ዝኸውን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዓለም- ለኸ ወፍሪ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ካብ 01 ሕዳር ክሳብ 03 ጥሪ 2017 ዓ.ም ከም ዝካየድ 18 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም እቲ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሩ።

ዓለም ለኸ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ “ተስፋ ሕውየት “ ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብያተ ትምህርቲ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽን ቁፅሪ ዓመታዊ ቅበላ ብሉፃት ተምሃሮ ካብ 600 ናብ 6000 ንምዕባይ ዘኽእል ኣብ መላእ ትግራይ መንፈስ ውድድር ምህዞን ፈጠራን ንምምዕባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣይተ ተስፋይ ተዛሪቦም።

ንትግራይ መፍትሒ ከምፅኡ ዝኽእሉ ዝተምሃሮ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ እዘን 12 ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ ተሃኒፀን ስረሐን ንምጅማር ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ሓጋዛይ ከምዝኾነ ዶ/ር መርሃዊ ኣብርሃ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ፋይናንስን ምምሕዳርን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ግደይ ኣየለ እቲ ካብ ሕዳር 01 ጀሚሩ ክሳብ 03 ጥሪ 2017 ዓ/ም ዝካየድ ቴሌቶን ማሕበረሰብ ነጋዶ፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዲያስፖራን ካልኦትን ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኩሉ ትግራዋይ ሓገዝ ክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ ፀብፂቡ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You