“ኣብዚ ዓመት ኣብ ማይ መስተን መስኖን ብዝተሰርሐ ስራሕ ብዙሕ ሕብረተሰብ ተረባሒ ኮይኑ ‘ዩ” – ኣይተ ሞገስ ገብረ እግዚኣብሄር

ሎሚ ዓመት ኣብ ገጠር ጥራሕ ዝተሰርሐ መስተ ማይ እንተርኢና ናብ 5ሽሕን 019 ዝኾና ማእኸላይ ፅገና ኣካይድና ካብቲ ዝተኻየደ ፅገናታት ናብ 964 ሽሕን 331ዝኸዉን ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ዝገብረ ኮይኑ ‘ዩ:: ካብዚ ድማ ናብ 496 ሽሕን 631 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ንክኾና እንትኽውን፤ እዚ ማልት ድማ ኣብ ገጠር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ እተን መናእሰይ ኣብ ቀረባ ማይ ክረኽባ ከለዋ ብእዋኑ ስራሕተን ኣከናዊነን ናብ ትምህርተን ንክኸዳ የኽእለን ማለት ‘ዩ።

ኣብ ከተማ ውን ናብ 115 ዝኾና ትካላት ማይ ተፀጊነን ‘የን። መጠን ክሰርሓ ዘይኽእላ (ፋንክሽናል ሬት) ትካላት ማይ ኣብ እዋን እቲ ኲናት 71ሚእታዊ ዝነብረ ሐዚ ናብ 30 ኣውሪድናዮ ኣለና። እዚ ማለት ናብ 41 ፋንክሽናል ሬት ቀኒስና ኣለና ማለት ‘ዩ እዚ ድማ ኣቅሊልካ ዝርአ ስራሕ ኣይኮነን።

ነዚ ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ኣይተ ሞገስ ገብረ እግዚኣብሄር ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ኣብዚ ዓመት ቢሮኦም ዘዐወቶም ስራሕቲ፣ ኣብ ኸይዲ ስራሕ ዘጋጠሞም ማሕለኻታትን ቀፃሊ ኣንፈት ስራሕቶምን ብዝምልከት ትኹረት ዝገበረ ሓበሬታን መብርሂን ሂቦምና ኣልው ሙሉእ ትሐዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- ከምዝፍለጥ ማይ መሰረት ሂወት ከምኡ ‘ውን ውሕስና ምግቢ ‘ዩሞ። ዓቅሚ ወይ ትሕዝቶ ሃፍቲ ማይ ትግራይ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሞጎስ:- ዓቅሚ ተፍጥሮ ሃፍቲ ማይ ትግራይ ስለ ዝተፀንዐ ‘ዉን ብተነፃፃሪ ፀገም ዘለዎ ኣይኮነን። ካብ ጠለብና ንላዕሊ ወይ ካብቲ ሐዚ እንጥቀመሉ ዘለና ዓቕሚ ንላዕሊ ‘ዩ። ይኹን እምበር ዘሎ ዝርግሐ ማይ ኣብ ኩሉ ቦታ ማዕረ ወይ ተመሳሳሊ ዓቅሚ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።

ንኣብነት ካብ ገለ ከባቢታት ምብራቅ ራያ ጀሚርካ ጨርጨር ኢሮብን መዳውብቲ ዓፋርን ናይ ሕፅረት ምልክታት ዘርእዩ ኣለው። ብርግፅ ዝበለፀ መፅናዕቲ የድሊ’ዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ከባቢ ኣብረገለን ኣብ ገርዓልታ ሓውዜን ከባቢ ዝተወሰነ ውስንነት ከምዘሎ ርኢና ኢና። ካብኡ ወፃኢ በቲ ሐዚ ዘሎ ሕፅረት ዓቅሚ በጀትን ቴክኖሎጅን ምኽንያት እምበር ነቲ ህዝቢ እኹል ማይ ንምቅራብ ዘኽእል ትሕዝቶ ዓቅሚ ማይ ኣሎ ‘ዩ ምባል ይክኣል።

ወጋሕታ:- ነቲ ዘሎ ዓቅሚ ሃፍቲ ማይ ዓቂብካ ብግቡእ ናብ ረብሓ ንምውዓል ዝግበር ፃዕሪ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሞጎስ:- እቲ ዘሎ ሃፍቲ ናብ ረብሓ ንምውዓል ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ቅድሚ እቲ ኲናት ግልጋሎት ዝህባ ዝነበራ በቲ ዂናት ምኽንያት ዝተጎድአ ትካላት ማይ ነቲ ዝነብረን ጉድለታት ብምምላእን ብምፅጋንን ናብ ስራሕ ንክትኣትዋ ናይ ምግባር ስራሕቲ እናሰራሕና ኢና ሓጊና።

ካልኣይ ቅድሚ እቲ ኵናት ክስርሓ ጀሚረን ዝነብራ ዝተቋረፃ ፕሮግራማት ትካላት ማይን መሰረት ብምግባር ሓደሽቲ ትካላት ማይ መስተን መስኖን እናሃነፅና ኢና ሓጊና። ሳልሳይ ንቀፃሊ ግልጋሎታት ማይ መስተን መስኖን ክህቡ ዝኽእሉ ቦታት እናፈለናን እናፅናዕናን ንሰርሕ ነይርና። እዚአን ሰለስቲአን ጎኒ ንጎኒ እናሰራሕና ኢና ነይርና። ብርግፅ ውስንነት ኣለዎ ‘ዩ። ሕፅረት ፋይናንስ ከምዘለዎ ፍሉጥ ‘ዩ።

ክሳብ ሐዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመደቦ በጀት የለን። ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ብገበርቲ ሰናይ ውሽጢ ዓድን ናይ ደገን ብዝግበር ሓገዛት ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ፅገናታትን ኣብ ገለገለ ከባቢታት ድማ ሓደሽቲ ትካላት ማይ እናሰራሕና ነይርና።

ወጋሕታ:- ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ቢሮኹም ተሊሙ ዘዐወቶም ተግባራት እንታይ ይመስሉ? እንታይ እንታይ ስራሕቲ ተሰሪሖም?

ኣይተ ሞጎስ:- ኣብዚ ዓመት ዝተለምናዮም ብኽልተ ፈሊና ንርኣዮም፤ ሓደ ፕሮግራማት ዝብሃሉ ካብ ላዕሊ ካብ ፌደራል ናብ ታሕቲ ዝወርዱ ኣለው። ንኣብነት ከም “ኮ ዋሽ” ዝብሃል፣ “ዋን ዎሽ ናሽናል ፕሮግራም” ዝብሃልን ሰቆጣ ቃል ኪዳን ልምዓት ዝብሃል ብልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ ዝምውሎን ካልኦት ከም ናይ ዩኒሴፍ ዝበሉ ፕሮግራማት ኣዐዊትናዮምን እናሰራሕናሎም ‘ውን ንርከብ።

ብመንግስቲ ክልል ተተሓዞም ዝነበሩ ካብፒታል በጀት ግና ብዜካ ናይ ሓንቲ ናይ ዘላቂ ልምዓት ካሊእ ንካፒታል ብጀት ተባሂሎም ዝተመደቡ ኣይተለቀቀልናን። ምኽንያቱ ሕፅረት በጀት ስለዘሎ እቲ ዝነብረ ‘ውን ናብ ደመወዝ ‘ዩ ኣውዒልዎ። ዋላ ‘ውን እቲ ደመወዝ ናይ ሾመንተ ናይ ዓሰርተ ወርሒ ጥራሕ ‘ዩ ተኸፊሉና ነይሩ እቲ ዝተረፈ ፅኒሑ ሐዚ ‘ዩ ተኸፊሉና።

ኣብ ቀረባ ኣብዚ ወርሒ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረና ግምገማ ዕውት ኣብነታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ተባሂሉ ዝተጠቀሰ ኣሎ፤ ንኣብነት ካብ ዋን ዎሽ ፕሮግራም እንተወሲድና ኣብ ገርዓልታ መኒዋለ ዝብሃል ፕሮጀክት ካብቲ ክውድኣሉ ዝተቀመጠሉ እዋን ኣቀዲምና ኢና ወዲእናዮ እዚ ብኣብነት ክልዓል ይኽእል ‘ዩ።

ካሊእ ዝሰራሕናዮ ሰራሕ ድማ ኣብ ኢረረ ዝብሃል ከባቢ ካብ ጭፍ ከተማ ኢረረ ዝብሃል ልዕሊ 14 ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ ኮይኑ፤ ማይ ዝብሃል ረኺቦም ዘይፈልጡን ካብ ካልኦት ወረዳታት ብኣድጊ እናኸዱ ማይ እናምፅኡ ዝጥቀሙ ዝነብሩን ማይ ንምምፃእ ከቢድ ፀገም እናጋጠሞም ዝፀንሑ ‘ዮም ነይሮም እዚ ድማ ብዕውት ተዛዚሙ፤ ካብ ፌደራል ብዝመፁኡ ሓለፍቲ ብዝተረኸብሉ ኣብ ዝቅፅል መወዳእታ ሓምለ ወይ መጀመርያ ነሓሰ ክምረቅ ‘ዩ።

ካሊእ ፕሮጀክት ማይ ዓዲ ዳዕሮ ናብ 60 ሚልየን ብር ዝወድአ ተዛዚሙ ኣሎ፣ ኣብ ውቅሮ ማራይ ‘ውን 148 ሚልየን ዝተበጀቶ ካብ ርሑቅ ከባቢ ዝመፅእ ማይ ናብ ምምዛም ይበፅሕ ኣሎ። ኣብ ጨርጨር ኣብ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ዝኾነ ቦታ ሐዚ ናብ 181 ሚልየን ዝውድእ ፕሮጀክት ማይ ስራሕ ጀሚሮም ኣለው። ኣብ ፊናርዋ ‘ውን ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዝተረኸበ ፋይናንስ ሐዚ እንጅምሮ ኣሎ። ነብለት፤ ከምኡ እናበለ ይቅፅል።

እቲ ካብዚ ብላዕሊ ዝልዐልናዮ ካብ ፕሮግራማት ዝተሰርሐ ኮይኑ፤ ካብዚ ወፃኢ ድማ ካብ ዩኒሴፍ ሎሚ ዓመት ኣብ ሽዱሽተ ከባቢ ዝርከባ ትካላት ማይ ናብ ሶላር ሓይሊ ቀይርና ኢና። ንኣብነት ነዳዲ ዝፅገሙ ዝነብሩ ኣብ ከባቢ ራያ ዓዘቦ ክልተ ቀይርና። ከምኡ ‘ውን ኣብ ዓዲ ነብሪ ኢድ፣ ኣብ እንደርታ፣ የጭላን ዓብይ ዓድን ዝበሉ ብዙሓት ተመሳሳሊ ሰሪሕና ኢና። ብዋን ዎሽ ድማ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ ኣርብዓን ሓደን ፕሮጀክታት ተሰሪሖም ‘ዮም።

እቶም ፕሮጀክታት ክንሰርሕ ከለና ክልተ ነገር ኢና ንጠልብ ወይ (ቀዳምነት ዝወሃብ) ኣብዝሓ ነባሪ ሰብ ንዘለዎን እንኸውን ካሊእ ድማ ብጣዕሚ ፀገም ዘለዎን ኣማራፂ ዘይብሉ ከባቢ እንተኾይኑ ከዓ ከም ካልኣይ ንሪኦ ። ብተወሳኺ ናብ ሓደ ከተማ ማይ ፕሮጀክት ክንሰርሕ ከለና ካብቲ ፕሮጀክት ማይ ዘለዎ ከባቢ ክሳብ ናብቲ ከተማ ዝበፅሕ ዘለዋ ቁሸታት ጣብያታት ‘ውን ተጠቀምቲ ማይ ንክኾኑ ይግበር ‘ዩ። ሕድ ሕድ ‘ቶም ዝስርሑ ፕሮጀክታት ድማ ካብ ክልተ ሽሕ ክሳብ ሳላሳ ሽሕ ዝበፅሕ በዝሒ ሰብ ተጠቃሚ ዝገብራ ‘የን።

ኣብ ቀረብ መስኖ ማይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ድማ ብዙሓት ፕሮግራማት ‘ዮም ዘለውና። ኣብዚ እቲ ዝዓበየ ዓርሰ ሙርከሳ ትኹረት ዝግበር ኮይኑ ናይ መንግስቲ ውሱን ብጀትን ናይ ውሽጥን ዓድን ናይ ደገን ገብርቲ ሰናይ ዓቅሚ ብምጥቃም መስኖ ገባራት ናይ ምፅጋን፣ ምምሕያሽ ተቋሪፆም ዝነብሩ ፕሮጀክታት ድማ ምዝዛምን ብፍላይ FSRP, IFAD, SDG, SEQTA diclaratin ብዝበሉ ብፕሮጀክታት በጀት ብምፅናዕን ብምህናፅን ኣብ ቀረብ መስኖ ማይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም።

ካብዚ ኦም ንኣብነት ኢፋድ (IFAD) ዝብሃል ፕርግራም ዝተሰርሐ ስራሕ እንተወሲድና ኣብ ሓፂር እዋን ብቅልጡፍ ናብ ሰባዓን ኣርባዕተን ዳይቨርታት ብምስራሕ ብምኒስተር ሕርሻ ተገምጊሙ መርኣያ ዕዉት ስራሕቲ ተባሂሉ ናብ ካሊእ ‘ውን ክሰፍሕ ኣለዎ ተባሂሉ ‘ዩ።

ካሊእ ናይ 3150 ሄክታራት ሓዱሽ ፅንዓት ዲዛይን ዝተኻየደ ኾይኑ፤ ናብ 750 ሄክታር ናይ ምልማዕ ክፈጥራ ዝኽእላ ህንፀት 89 እስትራክቸራት ተጀሚረን። ካብዚአን ድማ 55 ዝኾና ተዛዚመን ናብ ስራሕ ዝኣተያ መስኖ ኮይነን፤ ልዕሊ 650 ሄ/ር ናይ ምልማዕ ዓቅሚ ተፈጢሩ ‘ዩ። ኣብ ፅገና ድማ 2 ሽሕን 617 ሄ/ር ዝተባላሸወ ስትራክቸር ናብ ስራሕ መሊስና ኣለና። 13 ግድባት መስኖ ፀጊንና (ቀሊል) ኣብ ሓደ ሓደ ድማ ክብድ ዝበለ ፅገና ‘ውን ተኻይዱ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ማይ መስተን ማይ መስኖን ብዝተሰርሐ ተጠቃምነት እቲ ሕብረተሰብ ብቁፅሪ እንተርኢናዮ ብዙሕ ‘ዩ። ሎሚ ዓመት ኣብ ገጠር ጥራሕ ዝተሰርሐ መስተ ማይ እንተርኢና ናብ 5 ሽሕን 019 ዝኾና ማእኸላይ ፅገና ኣካይድና ካብቲ ዝተኻየደ ፅገናታት ናብ 964 ሽሕን 331ዝኸዉን ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ዝገብረ ኮይኑ ካብዚ ድማ ናብ 496 ሽሕን 631 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ክኾና ኣኽኢልወን ‘ዩ።

እዚ ማልት እንታይ ‘ዩ፤ ኣብ ገጠር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ እተን መናእሰይ ኣብ ቀረባ ማይ ክረኽባ ከለዋ ብእዋኑ ስራሕተን ኣከናዊነን ናብ ትምህርተን ንክኸዳ የኽእለን ማለት ‘ዩ። ኣብ ከተማ ድማ ናብ 115 ዝኾና ትካላት ማይ ተፀጊነን ‘የን። ስለዚ ኣብዚ ሓደ ዘትረፍናዮ ነገር መጠን ክሰርሓ ዘይኽእላ (ፋንክሽናል ሬት) ትካላት ማይ ኣብ እዋን እቲ ኲናት 71ሚእታዊ ዝነብረ ሐዚ ናብ 30 ኣውሪድናዮ ኣለና።

እዚ ማለት ናብ 41 ፋንክሽናል ሬት ቀኒስና ኣለና ማለት ‘ዩ። እዚ ድማ ኣቅሊልካ ዝርአ ስራሕ ኣይኮነን ማለት ‘ዩ። ኣብ ህንፀት እንተወሲድና ድማ ክልተ ተወዲአን ኣለዋ፤ ክልተ ድማ ናብ 90 ሚእታዊ በፂሐን፤ ሓንቲ ኣብ 80 ሚእታዊ ዝበፅሐት ካሊእቲ ድማ ናብ 60 ሚእታዊ በፂሓ ኣላ:: ከምኡ ‘ዉን ናብ ናብ 37 ዝኾና ኣርካይቫት ናብ ብርኪ ምርድዳእን ምርኽኻብን ዝተበፅሐሎም ኣለዉ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝነበረ ኸይዲ ስራሕኹም ካብ ዘጋጠመኹም ዋና ዋና ብድሆታት ወይ ማሕለኻታት እንታይ እዮም?

ኣይተ ሞጎስ:- ኣብዚ ዓመት ካብ ዘጋጠሙና ዋና ዋና ማሕለኻታት:- ሓደ ቅድሚ እቲ ዂናት ኣብ ዝነብሩ እዋናት ዝተሰርሓ ግድባት መስኖ ኣብዚ እዋን ገሊአን ንመስተ ማይ ‘ውን እንጥቀመለን ዘለዋ ንስራሕቲ እተን መስኖ ተባሂሉ ካብ ሓረስቶት ዝተወሰደ መሬት ካሕሳ ዘይምርካቦም ‘ዩ።

ካሕሳ ዘይምርካቦም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ እቲ መስኖ ኣብ ዘሎ በቲ መስኖ ዝለምዕ መሬት ኣብኡ ተረባሕቲ ንክኾኑ ክምቀሉ ይግባእ ነይሩ ግና ክሳብ ሎሚ ካሕሳ ይተኸፈሎምን ካብቲ መሬት ‘ውን ኣይተመቐሉን ዘለው። ሓደ ሽዱሽተ ዝኾና ግድባት ናብ 80 ሚልየን ዝኾን ካሕሳ ኣይተኸፈለን።

እዚ ናይ ግድብ ገረብ ግባ ኣይሓውስን። ካልኣይ ድማ ኣብ 2 ሽሕን 013 ኣብ እዋን እቲ ዂናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ምስቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዕል ገይሮም ብቦጥ ማይ ዘቅርቡ ዝነበሩ ኣካላት ክሳብ ሐዚ ገንዘብ ስለዘይተኸፈሎም ገሊኦም ከሲሶምና ኣለው። ኣብዚ እዋን ናይ ስራሕ ዕንቅፋት ‘ውን ኮይንና ኣሎ።

ካሊእ ማችን ፈንድ ዝብሃል ብመንግስቲ ፌደራልን ክልልን ዝምደበሉ በጀት ስራሕ ኣሎ:: ኣብዚ ክሳብ ሐዚ እናሰራሕና እንተፀናሕና ‘ውን ሐዚ ግና በቲ ክልል ክምደበሉ ዝግባእ ክምድበሉ ብዘይምኽኣሉ ኣብዚ ወርሒ ሓምለ ንክንምድብ መጠንቀቅታ ሂቦምና ኣለዉ:: እዚ ዓብይ ዕንቅፋት ኮይንና ኣሎ::

ንዝቅፅል ‘ውን ነዓና ስግኣት ኮይንና ኣሎ:: ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ሰራሕተኛታት መሃያ ዘይምኽፋሉ ኣሎ። ካብቲ ክልል ናይ ካፒታል በጀት ብዘይምምዳቡ ብዝድለ መጠን ስራሕቲ ክንስርሕ ኣይክኣልናን:: እቶም ዝሰራሕናዮም ‘ውን ብፕሮግራማት ኾይኑ ንሱ ‘ውን ኣብ ውሱን ከባቢታት ዝስራሕን ሓዱሽ ስራሕ ዘይስራሕ ብምዃኑ ኣብ ዘይተሰረሐሎም ኸባቢታት ብሕብረተሰብ ቅሬታት የቅርቡልና ኣለው።

ካሊእ ማሕለኻ ዝኾነና ድማ ናይቲ ቢሮ ኣወዳድባ ኣብ ጣብያታትን ወረዳታን ፀገም ነይሩ። ኣብ ሓደ ሓደ ተፃውዕነቶም ናብ ቢሮ ማይ ይኸውን ኣብ ካሊእ ከዓ ናብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ይኸውን ሕውስውስ ዝበለ  ኣወዳድባ ‘ዩ ዘለዎ ብውስን መልክዑ ንፈትሖ ኣለና ኢና። ከምኡ ‘ውን ሓላፍዘላፍ ዝኾኑ ኣሰራርሓታት ኣለው። ኣብ ወረዳታትን ኣብ ዞባታትን ዘለው ኣይትረኸቦምን ባዕልና ክሳብ ታሕቲ እንተዘይወሪድና ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስራሕቲ ኣይስራሕን ዘሎ::

ወጋሕታ:- ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሐሸ ስራሕ ንምስራሕ ቢሮኹም ንዝቅፅል ዓመት ዘለዎ ትልምን ኣንፈትን እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሞጎስ:- ኣንሕና ኣብዚ ኣመት ዝነበሩና ፀገማት ናብ መንግስቲ ኣፍሊጥና ኢና። ናብ ፕላን ኮምሽን ‘ውን ኣቅሪብና ኢና። እንታይ ምላሽ ይመፅእ ይኸውን ዝብል ግና ሕዚ ‘ውን ኣብ ሕቶ ውሽጢ ኢና ዘለና። ኣንሕና ግና ብተስፋ ዘለውና ፕሮግራማት ንክንዓምም ተዳሊና ንሰርሕ ኣለና። ምስ ከም ማረትን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን እንሰርሖም ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንክኸውን ተዓፃፂፍና ንምስራሕ ንግምግምን ንዳለውን ኣለና ኢና።

ካሊእ ናይ ኢነርጂ በጀት ስለዘይነበሮ ኣብ ስራሕቲ ኢነርጂ ብዙሕ ከይተሰርሐ ‘ዩ ሓግዩ። ሐዚ ግና ኣብ ፕሮጀክት ዝተወሰነ ጀሚርና ኣለና። ብዓለም ባንኪ ዝተውሃበ 500 ሚልዮን ልቃሕ ብብርኪ ሃገር ዝትግበር ፕሮጀክት ኣብ ትግራይ ኣርባዕተ ኮምፐነንት ዘለው ኮይኖም፤ ካብኦም ሓደ ድማ ን81 ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ንናይ ኣናእሽተይ ትካላት ኤሌክሪክ ዘይበፀሐን ዝነበረ ብሶላር ኢነርጂ ክሰርሓ ንምግባር ኦሬንቴሽን ተዋሂቡ ኣሎ።

ወጋሕታ:- ክግለፅ ኣለዎ ዝትብልዎ ኣብዚ ዘይተገለፀ ሓሳብ መልእኽቲ እንተሃልዩ ናይ ምወዳእታ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ሞጎስ:- ኣብዚ ንኹሉ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ካብ መንግስቲ ፌደራል ዝግብአና ብፅሒት ተሎ ናይ ምልቃቅ በጀት ተዝልመድ።

ኣብ ክልል ዘሎ ‘ውን ኣብ ረብሓ ዘይብሉ ተደጋጋሚ ጉዕዞ ግዘ ካብ ምውዳእ ናብ ስራሕ ተዝኣትውልና ተንሰርሕ ይብል። ካልእ መልእኽተይ ንኹሉ ዝምልከቶ ዋላ ቶኽሲ ደው ኢሉ እናተመሓየሽ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ይሃሉ እምበር ሐዚ ‘ውን ተፈናቀልቲ ናብ ቦቶኦም ኣብ ምምላስ ይጅምሩ ስለዘለው ኣብዚ ተወሳኺ ሓገዝ ተንረባረብ ዝብል መልእኽቲ ተትሕሉፍልና ይብል።

ወጋሕታ:- ካብ ዝተፃበበ ግዘኹም ሰዊእኹም ንዝሃብኩምኒ ሓበሬታን መብርሂን የቐንየለይ

ኣይተ ሞጎስ:– ኣነ ‘ውን የቐንየለይ

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You