ኢትዮጵያ ናብ ምሉእ ምትግባር ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም ከምዝኣተወት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ ሰሙን ምምፍላጡ ዝዝከር ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ነዚ ስዒቡ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ መግለፂ ዝሃበ እንትኸውን ምሉእ መግለፂ እቲ ፖሊሲ ምምሕያሽ ፕሮግራም ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ::
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ ድሕሪ ናይ 2010 ፖለቲካዊ ለውጢ መንግስቲ ብዙሓት ናይ ቁጠባ ምምሕያሻት ንጥፈታት ኣካይዱ ‘ዩ። ቅድሚ ሕዚ ዝተዋህለለ ቁጠባዊ መሓውራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ሪፎርም እናገበረ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።
ናይ ዕዳ ፅዕንቶ፣ ገና ብዙሕ ስራሕቲ ዘድልዮ ናሕሪ ዋጋ፣ ስራሕ ኣልቦነት፣ ምዝሕሓል ቁጠባዊ መሓውራዊ ለውጢ፣ ትሑት ኣፍራይነት ዘፈር፣ ትሑት ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትታት ልምዓትን ብኽነት ሃፍቲን፤ እቶም ቀንዲ መንግስቲ ዝተረከቦም ቁጠባዊ ዕዳታት ‘ዮም።
መስርሕ ፖሊሲን ሕጋውን ምምሕያሻት፣ ቁጠባ ናብ ዝያዳ ርጉእ ማክሮ-ቁጠባዊ ሃዋህው ንኽሰጋገር ሓድሽ ተስፋ ኣምፂኡ ‘ዩ:: ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም ናብ ተግባር ዝኣተወ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ ፕሮግራም ሃገር በቖል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ብዙሓት ናይ ፖሊሲ ምምሕያሻት ኣብ ውሽጡ ዝሓቖፈን ሰፊሕ ኢኮኖሚያዊ ዕላማታትን ሽቶታትን ዘሳኸዐ ነይሩ::
ዝተረፉ ስራሕቲ እኳ እንተሃለዉ፤ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ዘይምዕሩይነት ንምእራም፣ ሸኽሚ ዕዳ ንምቅላል፣ ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ዓዲ ንምዕባይ፣ ፍልፍል ቁጠባዊ ዕብየት ንምስፋሕ፣ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን መሓውራዊ ዕንቅፋታት ንምእራምን ዝተገበረ ፃዕሪ ውፅኢት ኣመዝጊቡ ‘ዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ቀፃሊ ዕብየት ዘለዎ ቁጠባ ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ቕልጡፍ ዕብየት ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኮይና ‘ያ:: ካብ 2010 ክሳብ 2015 በጀት ዓመታት ማእከላይ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር 7.1 ሚእታዊት በፂሑ ‘ዩ። በዚ ድማ ሃገርና ኣብ ቁጠባዊ ሃዋህው ኣፍሪካ ልዑል ተራ ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣላ። ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዘለዋ ተወፋይነት ‘ውን ኣርእያ ‘ያ።
ኢትዮጵያ ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝዓበየ ኢኮኖሚ ሃኒፃ እያ። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ሳልሳይ ዝዓበየ ቁጠባ ኣለዋ። መንግስቲ እቶት ግብሪ ናይ ምእካብ ዓቕሙ ተመሓይሹ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝፀደቐ ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮግራም ምምሕያሽ ሃገር በቖል ኢኮኖሚ ዝቐረየ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ስራሕቲ ንምዝዛም መንግስቲ ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ዘረጋግፅ ‘ዩ።
እዚ መደብ ብኣርባዕተ ዓምድታት ዝተሃንፀ ‘ዩ፤ እቲ ቐዳማይ ንማክሮ-ቁጠባዊ ምርግጋእን ዘላቕነትን ዝድግፍ ዘመናውን ጥዑይን ማክሮ-ቁጠባዊ ፖሊሲ ማዕቀፍ ምምስራት፤ ካልኣይ ንመሃዝነት ዘተባብዕ ምቹው ናይ ኢንቨስትመንትን ንግድን ሃዋህውን ተወዳዳርነትን ምዕባይ፤ ሳልሳይ ዓቕሚ ምፍራይን ኣፍራይነትን ውሽጢ ዓዲ ምሕያል፣ ከምኡ ‘ውን እቲ ራብዓይ ፅሬት ዘለዎ ግልጋሎት ብብቕዓት ንምቕራብ ናይ መንግስቲ ዓቕሚ ምዕባይ ‘ዮም።
ኣጀንዳ ቁጠባዊ ምምሕያሽና ንሓያል፣ ብውልቃዊ ዘፈር ንዝመርሕ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ ቁጠባዊ ዕብየትን ምፍጣር ስራሕን መሰረት ክኸውን ‘ዩ። ኣብ እዋን ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮግራም ልዑልን ርጉእን ቁጠባዊ ዕብየትን ሓደ ኣሃዝ ዝቕባበ ዋጋን ክህሉ ‘ዩ እቲ ዕላማ።
ምዝባዕ ሸርፊ ወፃኢ ብምእራም፣ ዓውዲ ፋይናንስ ብምጥንኻር፣ ዋጋታት ናህሪ ብምቁፅፃር፣እቶት ግብሪ ብምዕባይ፣ ውፅኢት ኢንቨስትመንት መንግስቲ ብምምሕያሽ፣ ተወዳዳርነትን ፅሬትን ዓውዲ ባንኪ ብምዕባይ፣ ሃዋህው ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምምሕያሽ፣ ብደረጃ ዓለም ዘመናውን ተወዳዳሪን ቁጠባዊ ስርዓት ምህናፅ ዓቢ ሃገራዊ ዕላማ ‘ዩ::
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኣተገባብራ መደብ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ዝኸውን ርኡይ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ፃዕርታትን ድርድራትን ክካየድ ፀኒሑ ‘ዩ። እቲ ድርድር ብፍልጠትን ብስለትን ዝተኻየደ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዝሕሉን ተረባሕነት ዜጋታትና ዘረጋግፅን ‘ዩ። በዚ መንገዲ ድማ ብመሰረት ቀንዲ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ዕላማታትን መንግስቲ ዘቐመጦ ስርዓት ሪፎርም ፖሊሲን ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ ተኻኢሉ ‘ዩ።
እዚ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ብዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ፣ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ወሳኒ መሻርኽትና ልምዓትን ዝድገፍ ‘ዩ። ዝተመስረተ ኣብ ሃገር በቖል ቁጠባዊ ምምሕያሽ ፕሮግራምናን ኣብ ትልሚ ልምዓት መፋርቕ ዘመን ኢንቨስትመንትናን ‘ዩ።
ቁልፊ ዕላማታትን ሽቶታትን ፕሮግራም ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም
(1) ምዝባዕ ሸርፊ ወፃኢ ምእራምን ናይ ነዊሕ እዋን ሕፅረት ሚዛን ክፍሊት ናይ ደገ ፀገማት ምፍታሕ፤
(2) ፖሊሲ ማዕቀፍ ገንዘባዊ ብምዝማን ናህሪ ዋጋታት ምንካይ፣
(3) ተቓላዕነት ዕዳ ብምፍታሕን ውሽጣዊ እቶት ብምውሳኽን ብውሽጣዊ ዓቕምና ሃገራዊ ልምዓታዊ ድሌታትና ንምዕዋት ምቹእ ሚዛን ምፍጣር፣
(4) ሓቋፊነት፣ ተወዳዳርነትን ጥዑይነትን ፋይናንሳዊ ዘፈር ምጥንኻር፣ ከምኡ’ውን
(5) ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ምምሕያሽ፣ ንለውጢ ነባሪ ኣየር ብምፅዋርን ውሕስነት ምግቢ ብምርግጋፅን፤ ድልዱል፣ ንኹሉ ዝሓቁፍን ዘላቒን ቁጠባዊ ስርዓት ንምህናፅ ‘ዩ።
ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሸቶታት ንምዕዋት ኣብ ኣተገባብራ ምምሕያሽ ፖሊሲ ውሽጣውን ዓለምለኻውን መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ውሽጣዊ ትካላት ምጥንኻርን ግልፅነት ምፍጣርን ተኻኢሉ ‘ዩ። እዚ ድማ ሃገርና ምስ ፕሮግራም ምምሕያሽ ፖሊሲ ዝተኣሳሰር ሓድሽ ዕድላት ልምዓታዊ ፋይናንስ፣ ቢዝነስን ኢንቨስትመንትን ክትጥቀመሉ ዘኽእላ ‘ዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ምትሕብባር ሽርክነትን ምውህሃድን ሃገራዊ ናይ ውልቑ ዘፈር ዝመርሖ ናይ ዕቤት ኣንፈት ንምዕዋት ንናይ እቲ ውልቐ ዘፈር ሰፊሕ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ።
ቐንዲ ስጉምትታት ማክሮ ኢኮኖሚን ትፅቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ረብሓታትን ብዝምልከት ብዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ፣ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ኣገደስቲ መሻርኽቲ ልምዓትን ዝድገፍ መደብ ቀንዲ ስጉምትታት ፖሊሲን ትፅቢት ዝግበረሎም ሃገራዊ ረብሓታትን ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ፖሊሲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦-
ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ፦ ንግዲ ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ኣቢልካ ገንዘብ ንምእካብ ዝግበር መስርሕ ‘ዩ። ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኮሰ ምውሳን ዋጋ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ መንጎ ቀረብን ጠለብን ዘሎ ዘይምዕሩይነት ሸርፊ ወፃኢ ንምእራም ይሕግዝ፣ እዚ ድማ ዋጋታት ካብ ወፃኢ ዝኣትዉን ንደገ ዝለኣኹን ኣቑሑትን ግልጋሎታትን ምስ ክውንነት ዕዳጋ ክሰማማዕ የኽእል። ኣብ ሚዛን ክፍሊት ንዘሎ ዘይምዕሩይነት ንምእራም ‘ውን ይሕግዝ። ካልእ ረብሓታት ‘ውን ኣለዎ።
ኣብ ወለድ ዝተመርኮሰ ማዕቀፍ ገንዘባዊ ፖሊሲ፦ ካልእ ቁልፊ ስጉምቲ ምምሕያሽ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ንማዕቀፍ ገንዘባዊ ፖሊሲ ዘመናዊ ምግባር ‘ዩ። ሃገራዊ ባንክ ናይ ሰለስተ ዓመት ስትራተጂካዊ ትልሚ ትሑትን ርጉእን ዝቕባበ ንምርግጋፅ ዝዓለመ ብምዃኑ፣ ባንኪ ምስ ንግዳዊ ባንክታት ኣብ ዝገብሮ ንግዳዊ ንጥፈታት፣ ኣብ ወለድ ዝተመርኮሰ ስርዓተ ገንዘባዊ ፖሊሲ ንምፍጣር ቀዳምነት ይህብ። ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ነዚ ምምሕያሽ ፖሊሲ ጀሚርዎ ኣሎ።
ምምሕያሻት ፊስካላዊ ፖሊሲ፡- ምምሕያሻት ፊስካላዊ ፖሊሲና ፀቕጢ ፋይናንሳዊ መንግስቲ ክቕንስ ዝገብር ‘ዩ። ምስቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምምሕያሻት ገንዘባዊ ፖሊሲ ግቡእ ፖሊሲ ምትእስሳር ንማክሮ ቁጠባ ከረጋግኦ ዝገብር ‘ዩ። ቀንዲ ትኹረት እቲ ፊስካላዊ ፖሊሲ ሪፎርም እቶት መንግስቲ ንምዕባይ ‘ዩ፤ ስርዓታት ወፃኢታትን ድጎማን መንግስቲ ዝያዳ ውፅኢታዊ ምግባር፣ ኣብ ስርዓታት ፈንድ ጡረታ መሓውራዊ ምምሕያሻት ምትግባር፤ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብቑዓትን ተወዳደርቲን ምግባርን ምሕደራ ልቓሕ መንግስቲ ስሉጥን ውፅኢታውን ክኸውን ምግባር ‘ዮም።
እዞም ስጉምትታት እዚኦም ንብቕዓት ምሕደራ ባጀትን ተቓላዕነት ዕዳ መንግስቲን ዘመሓይሹ ‘ዮም። ከም ውፅኢቱ ድማ ናይ ልምዓታዊ ፋይናንስ ኣማራፂታት ይሰፍሑ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ሃገራዊ ልምዓታዊ ድሌታትና ንምዕዋት ምቹው ሚዛን ይፈጥሩ።
ዕድላት ፋይናንስ ልምዓትን ሪፎርም ምሕደራ ዕዳ መንግስትን፦ ብመሰረት ምስ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ዝተገበረ ምርድዳእ ምስ ዝተፈላለዩ ኣለቃሕትና ብምዝርራብ ርኡይ ስጉምትታት ምምሕያሽ ዕዳ ንምውሳድ እናተሰርሐ ‘ዩ:: ብኻሊእ ገፅ እዚ ፕሮግራም ሪፎርም ፖሊሲ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ልምዓታዊ ፋይናንስ ብፍላይ ካብ ባንኪ ዓለም፣ ካልኦት ልምዓታዊ ፋይናንስ ባንክታትን ክልተኣዊ ልቓሕ ትካላትን ክትረክብ መንገዲ ዝፀርግ ‘ዩ።
በዚ መሰረት ሃገርና ብሓፈሻ ብተግባር ፕሮግራም ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ቢልዮናት ዶላራት ክትረክብ ‘ያ። እዚ ድማ ካብቶም ካልኦት ንማክሮ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሻት ዝፅበዩ ዘለዉ ልምዓታዊ መሻርኽትና ተወሳኺ ፋይናንሳዊ ደገፍ ንምእካብ ‘ውን ዝሕግዝ ‘ዩ።
ኣብ መወዳእታ ፕሮግራም ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ብብቕዓትን ብውፅኢታውነትን ንምትግባር መንግስቲ ቑልፊ ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት ኣቐሚዩ ‘ዩ:: ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ቐንዲ ቐንዲ ስጉምቲታት ፖሊሲ ምስ ናይ ሓፈሻዊ ነዊሕን ማእኸላይን ዘመን ሃገራዊ ናይ ልምዓት ትልምታትና ተጠዓዒሞም ክትግበሩ ‘ዮም:: ከምኡ ‘ውን ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ ብዝሕሉን ናይ ዜጋታትና ተጠቓምነት ብዘረጋግፅ መልክዑ ክትግበሩ መንግስቲ ልዑል ናይ ክትትልን ድጋፍን ኣሰራርሓታት ክዝርግሕ ‘ዩ::
ነዚ ድማ ብኹሉ ዝምልከቶም ቤት ዕዮታት ሚኒስቴርን ትካልት መንግስትን ኣድላይ ድጋፍን ክትትልን ክግበር ‘ዩ:: ብኹሎም ዝምልከቶም ትካላት ናይ ትግባረ ፖሊሲ ኣፈፃፅማ ኣተገባበር ሓደ ዓይነት ክኸውን መንግስቲ ጠንካራ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሽ ኣመራርሓ ከምዘሎ የረጋግፅ:: ብኻሊእ ወገን መንግስቲ ከም ናይ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝበሉ ቑልፊ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ትካላት ድጋፍ ብምግባር ትካላዊ ዓቕሚ የጠናኽሩ::
እዘን ትካላት እዚኣተን፣ ማክሮኢኮኖሚ ፖሊሲታት ኣብ ምውፃእ፣ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ምክትታልን ምግምጋምን ዓቢዪ ተራ ይፃወታ።ብተመሳሳሊ መንግስቲ ንምምሕያሽ ፕሮግራም ማክሮ ኢኮኖሚ ድጋፍ ንምትእኽኻብ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ግልፅነት ዘለዎ ርክብ ይፈጥር::
ብተወሳኺ ንተቓላዕቲ ክፋል ሕብረተሰብ ንምድጋፍ ዘኽእሉ ተግባራት ክስርሑ ‘ዮም:: ናይ ማሕበራዊ ሴፍትኔታት ፕሮግራም ድጎማ ክግበር ‘ዩ:: ንትሑት ተኸፈልቲ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሻት ከስዕቡ ንዝኽእሉ ናይ ሓፂር ግዜ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ንምሕላው ኣድላይ ናይ ደሞዝ ድጎማን ምምሕያሻትን ንዝተወሰነ ግዜ ክግበር ‘ዩ::
ወሰኽ ዋጋ ነዳዲን መንግስቲ ብተወሰነ ደረጃ ዝድጉም ይኸውን:: እቲ ከይዲ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ቐፃልነት ዘለዎ ገምጋም ክግበር ‘ዩ:: መንግስቲ ኣብ እዋናዊ ሓበሬታ ተመርኲሱ ኣብቲ ፕሮግራም እዋናዊ፣ ኣገዳስን ተገማቲ ፖሊሲ ምትዕርራይ ክገብር ‘ዩ:: ኣብ ከይዲ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ኣብ ኢኮኖሚ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገምን ኢሕጋዊነት ንምክልኻል መንግስቲ ንቑሕ ቑፅፅር ብምግባር ስጉምቲ ክወስድ ‘ዩ::
ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከትን ካልኦት ዝርዝር ጉዳያትን ብሚኒስቴር ገንዘብን ብብሄራዊ ባንኪን በቢግዚኡ ዝግለፅ ይኸውን:: ንመግለፂ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ስዒቡ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፣ እቲ ባንኪ ኣብ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ዝገበሮ ምምሕያሽ ስርዓተ ምሕደራ መብርሂ ሂቡ ኣሎ ::
ከም መግለፂ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኣብ ጠቕላላ ምምሕያሽ ፕሮግራም ማክሮኢኮኖሚ ኣድሂቡ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ስዒቡ፣ ምምሕያሽ ስርዓተ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ እታ ሃገር ከምዘማሓየሸ ኣፍሊጡ ኣሎ:: እዚ ምምሕያሽ ኢትዮጵያ ተዋዳዳሪ ናብ ዝኾነን ኣብ ዕዳጋ ንዝተመስረተ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ከሰጋግራ ከምዝኽእልን ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ንነዊሕ ግዜ ኣሳፊሑ ዝነበረ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘይምርግጋእን ምዝባዕን ከምዘማሕይሽ ይእመነሉ::
ምምሕያሽ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ብመሰረት እቲ ሓድሽ መምርሒ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ይኸውን። እዚ ምምሕያሽ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ሃገር በቖል ናይ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ መርሃ ግብሪ ዝተመስረተን ንቐፃሊ ኣብ ስራሕ ካብ ዝውዕል ሰፊሕ ምምሕያሻት ማክሮ ኢኮኖሚ ሓደ እንትኾን፣ቐንዲ ዕላምኡ ቐፃልነት ዘለዎ፣ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎን ንኩሉ ዘሳትፍ ቁጠባዊ ዕብየት ምህላዉ ንምርግጋፅ ‘ዩ።
ቁልፊ ትሕዝቶ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ
እዚ መግለፂ ካብዝወፀሉ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር ናይ ወፃኢ ሸርፊ ምምሕያሽ ዝስዕቡ ዓበይቲ ሓደሽቲ ናይ ፖሊሲ ለውጥታት ዘካትት ‘ዩ፡፡
- ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ፣ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ተመን ባንክታትን ዓማዊሎምን ዝውሰነሉ ስርዓት ዕዳጋ ክሰጋገር ‘ዩ። ግደ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ኣብ ምህዳእ ትኹረት ክገብር ‘ዩ።
- ሸርፊወፃኢንብሄራዊባንኪኢትዮጵያናይምስግጋርግዴታኮይኑኣሎ።ብምዃኑ፣ለኣኽትንባንኪታትንግድንዘፍረይዎናይወፃኢሸርፊንበዓሎምከቕርዩይኽእሉ ‘ዮም።
- እቲቕድሚሕዚኣብልዕሊ 38 ናይኣታዊንግዲሸቐጣትተነቢሩዝነበረእግድተላዒሉኣሎ።ዋላእኳከምቲቅድሚሕዚዝወፅእዝነበረፍሰትካፒታልከምዘለዎእንተነበረሸርፊወፃኢእቲዕዳጋንናይኣታዊሸቐጣትኣቑሑትንግልጋሎታትንነፃክኸውን ‘ዩ::
4.ምህርትታት ናብ ደገ ዝልእኹ ነጋዶታት ካብዘፍረይዎ ሸርፊ ወፃኢ ኣታዊ ንበዓሎም ዘቕርይዎ ዝነበሩ 40 ሚኢታዊ ናብ 50 ሚኢታዊ ልዕል ክብል ተገይሩ ‘ዩ::
- ሕዚኣብስራሕካብዘለዉንባንኪኮይኖምካብዝተጣየሹሸርፊወፃኢዘሽርፉ( (Forex Bureaus) ብተወሳኺባንኪዘይኾኑናይውልቐናይሸርፊወፃኢቢሮታት ‘ውንክጣየሹ ‘ዮም።ነዚኣቶምባንኪዘይኮኑቢሮታትሸርፊወፃኢብናይዕዳጋዋጋጥረገንዘብክገዝኡንክሸጡንፍቓድስራሕክወሃቦም ‘ዩ::
- ሸቐጣትብፍራንኮቫሉታናብውሽጢሃገርብምእታውዝተነብሩእገዳታትንምልዓልኣብቐረባእዋንናይምምሕያሽደንቢክወፅእ ‘ዩ::
- ኣብናይደገትካላት፣ብናይደገኢንቨስተራትንብትውልደኢትዮጵያውያንን (ዳያስፖራታት) ዝተኸፈቱናይሸርፊወፃኢሒሳባትምሕደራብዝምልከትብርክትዝበሉሕግታትክልሕልሑተገይሩኣሎ::
- ኣብኢትዮጵያዝነብሩሰባትካብደገንዝለኣኸሎምሓዋላ፣ብናይወፃኢሸርፊሒሳብዝኽፈልደሞዝናይክራይኣታዊንካልኦትኣታውታትንዘቐምጥሎምናይወፃኢሸርፊሒሳብክኸፍቱ፣ከምኡ ‘ውንከምዚኦምናይደገሸርፊተጠቒሞምናይደገግልጋሎትክፍሊታትክፍፅሙተፈቒዱ ‘ዩ::
- ቕድሚሕዚናይውልቐኩባንያታትወይባንክታትብዝወስድዎምናይደገልቓሓትዝኸፍልዎዝነበሩተመንወለድጣርያተላዒሉኣሎ::
- ረቋሒታትዘማልኡናይደገኢንቨስተራትኣብኢትዮጵያመዋእለንዋይዕዳጋ (Ethiopian Securities Exchange) ክሳተፉተፈቒዱኣሎ::
- ኣብፍሉይቁጠባዊዞባታትዝንቀሳቐሳኩባንያታትፍሉይመሰልናይወፃኢሸርፊኣታዊታቶምምሉእብምሉእንበዓሎምምሓዝንሓዊሱፍሉይናይወፃኢሸርፊኣጠቓቕማመሰልተዋሂብዎም ‘ዩ::
- ካብኢትዮጵያናብወፃኢሃገራትዝጓዓዙወይናብኢትዮጵያዝኣትዉገያሾክሕዝዎዝግበኦምናይወፃኢመጠንሸርፊጥረገንዘብብዝምልከትተቐሚጦምዝነበሩዝተፈላለዩተረርቲሕግታትክልሕልሑተገይሩ ‘ዩ::
ኣብ ላዕሊ ብሓፂር መልክዑ ዝቐረቡ ምምሕያሻት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ፣ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ደረጃ ልምዓትን ምስ መላእ ዓለም ዘለዋ ርክብ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ‘ዩ። ከምኡ’ውን እቶም ምምሕያሻት ናይ ዓሰርተ ዓመታት መሪሕ ፕላን ኣብ ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ሰነዳት ዝተቐመጡ ኣንፈታት ፖሊሲ መንግስቲ ‘ዮም:: እዞም ሰነዳት እዚኦም፣እቲ ኢኮኖሚ እናተሓላለኸን እናዓበየን እንትኸይድ እታ ሃገር ቀስ ብቐስ ኣብ ዕዳጋ ዝተመሰረተ ስርዓተ ሸርፊ ወፃኢ ከም እትሰጋገር ዘመልክቱ ‘ዮም።
እዚ ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ ብውሽጣውን ደጋውን ምኽንያታት እኳ እንተተደናጐየ፣ ሓድሽ በጀት ዓመት ምጅማሩን ምስ ቐንዲ ቐንዲ ዓበይቲ መሻርኽቲ ልምዓት ወፃኢ ዕዉት ዘተን ድርድርን ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ ፅቡቕ ዕድል ፈጢሩ ኣሎ።
ዕላማ ምምሕያሽ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ
እቲ መግለፂ ካብዝወፀሉ ጀሚሩ ኣብ ተግባር ዝውዕል ስርዓተ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ፣ ዋላ ቀሊል እንተዘይኮነ ኣገዳሲ ‘ዩ። እዚ ሕዚ ዘሎ ስርዓተ ሸርፊ ወፃኢ ርጉእ ሸርፊ ወፃኢን ትሑት ናህሪ ዋጋን ንምርግጋፅ ዝዓለመ እኳ እንተኾነ፣ ቀስ ብቐስ ግን ሓደ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ምስፍሕፋሕ ፀሊም ዕዳጋ፣ ልዑል ናህሪ ዋጋታት፣ ሰፊሕ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ክቡር መኣድናት፣ ከምኡ’ውን ሸርፊ ወፃኢ ካብ ናይ ባንኪ ስርዓት ወፃኢን ክኸውንን ካብ ሃገር ክሃድምን ሓደን ቐንድን ምኽንያት ኮይኑ ’ዩ።
እዚ ኩሉ ካብ ኣፍረይቲ ምህርትታት ንላዕሊ ውሑዳት ኢሕጋውያንን ደለልትን ተጠቐምቲ ክኾኑን ሱር ዝሰደደ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ከጋጥም ገይሩ ‘ዩ:: በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ትካላት ንግድን ሰብ ሃፍትን ተጎዳእቲ ኮይኖም ‘ዮም:: ናይ ወፃኢ ንግድን ምህርትታት ፋብሪካታትን ንምስፋሕ፣ ናይ ወፃኢ ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ዕቑር ሸርፊ ወፃኢ ሃገር ንምዕባይን ዝተገበረ ፖሊሲታትን ፃዕርታትን ኣድማዕነቱ ሸርሺሩ ‘ዩ።
ብኣንፃሩ ብናይ ዕዳጋ ዝውሰን ስርዓተ ሸርፊ ወፃኢ ምስጋር ብርክት ዝበሉ ቁጠባዊ ረብሓታት ዘርክብ ‘ዩ፤
ቀዳማይ፣ እቲ ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ዘርክቡ ዘፈራት ዝተዋፈሩ ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ዝጠቅም ‘ዩ። ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሓረስቶት ከም ቡን፣ ናይ ቕብኣት ኣእኻል፣ ዕምባባ፣ ኣትክልትን ፍረታትን፣ ጫት ዝመሳሰሉ ሸቐጣት ዘፍርዩ፣ ብሚልየናት ዝቑፀሩ ሓረስቶትን ጥሪትን ስጋን ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ዘቕርቡ እንስሳ ብምርባሕ ዝነብሩን ነጋዶን ኣብ ንግዲ ሰደድ ዝተዋፈሩ፣ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ መኣድን ምውፃእ ዝተዋፈሩ ብዙሓት ዜጋታት ኣፍረይትን ኣብ ዘፈራት ሆቴልን ቱሪዝምን ዝተዋፈሩ ኣሽሓት ነጋዶ፣ ኣብ ወፃኢ ብዝነብሩ ኣዝማዶም/ፈተውቶም ናይ ወፃኢ ገንዘብ ዝለኣኸሎም፣ ከምኡ’ውን ኣማኢት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ናይ ወፃኢ ሓዋላ ዝቕበሉ ውልቀ ትካላትን፣ ከምኡ’ውን ካልኦት ምስኦም ብሽርክነት ዝሰርሑን ፍርያት ዘቕርቡን ኣካላት፣ ተጠቀምቲ ናይዚ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ምምሕያሽ ተጠቐምቲ ክኾኑ ‘ዮም።
ካልኣይ፣ እቲ ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ፣ ናይታ ሃገር ኣታዊታት ሸርፊ ወፃኢ ብግቡእ መንገዲ ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታዉን ንነበርቲን ንዘፈራት ኣፍረይቲን ምውዓሉን ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ‘ዩ። ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ፖሊሲታት ሸርፊ ወፃኢ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር (ኮንትሮባንድ) ንንግዲ ዘተባብዕ፣ ሰደድትን ኣእተውትን ዋጋታት ኣቑሑት ንምውሳኽ ወይ ንምንካይ ዘተባብዕ፣ ናይ ካፒታል ምህዳም ዘጣናኽር፣ ብሓፈሻ ድማ ነታ ሃገር ኣዝዩ ዘድሊ ኣታዊታት ሸርፊ ወፃኢ ዘስእን ‘ዩ።
ሳልሳይ፣ እቲ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ሪፎርም፣ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘፍርዩ ኢንዱስትሪታት ዘተባብዕ ክኸውን ‘ዩ፤ ምህርቶም ከስፍሑን ብፅሒት ዕዳገኦም ክውስኹን ይሕግዞም። ኣብ ዘፈር ምፍራይ ኢንዳስትሪን ሃለቕቲ ኣቑሑትን ዝተዋፈሩ ተካእቲ ኢንዱስትሪታት ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትልሚ “ኢትዮጵያ ታምርት” ዝሳተፉ ዘለዉ ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ካብቲ ሪፎርም ተጠቀምቲ ክኾኑ ‘ዮም።
ራብዓይ፣ ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ቐረባ እዋንት ንነዘ ውልቃዊ ዘፈራት ንምዕባይን ቁጠባ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ንምግባርን፣ ከምኡ’ውን ቁጠባ ንወፃእተኛታት ሰብ ሃፍቲ ክፍቲ ንምግባር ዝተወሰዱ ብዙሓት ካልኦት ስጉምትታት ምምሕያሻት ዝድግፍን ዘጠናኽርን ‘ዩ።
ካብዞም ናይ ምምሕያሽ ስጉምትታት፣ ቅድሚ ሕጂ ንውልቃዊ ዘፈራት ንናይ ወፃኢ ሰብሃፍቲ ተዓፅዮም ዝነበሩ ዘፈራት ምኽፋት (ንኣብነት ቴሌኮም፣ ሎጂስቲክስ፣ ባንኪ፣ ዕዳጋ ካፒታል፣ ንግዲ ጅምላን ችርቻሮን)፣ ክፍት ምግባር፣ ምምሕያሽ ስርዓተ ንግዲ፣ ውልቃዊ ዘፈራትን መንግስትን ዘሳትፍ ፕሮጀክትታት ብሽርክነት፣ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባታት ምምስራት ወዘተ ዝርከብዎም ‘ዮም።
ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዓውድታት ዝተገብረ ለውጢ ንውልቃዊ ዘፈራትን ቁጠባዊ ዕብየትን ፅቡቕ ዕድላት ዝኸፈተ እኳ እንተኾነ፣ ፖሊሲታት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ዕንቅፋት ኮይኖም ስለዘለዉ ምትዕርራይ ምግባር የድሊ።
ሓምሻይ፣ ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ብምስሓብ፣ ቀጥታዊ ናይ ደገ ኢንቨስትመንት ብምዕባይ፣ ከምኡ’ውን ስርዓተ ንግድና ምስ ጎረባብትን መዛኑን ሃገራት ዝሰማማዕ ንምግባር ዓቢዪ ኣበርክቶ ክህልዎ ‘ዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ቁጠባታት ኣፍሪካን ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ኮይና ስርዓት ቁፅፅር ሸርፊ ወፃኢን ሕፅረት ሸርፊ ወፃእን ዘለዋ ‘ያ።
ኢትዮጵያ ብበዝሒ ህዝቢ፣ ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ካብ ተመጣጣንን ተወዳዳሪን እታዎታት(ጉልበት ሰብ፣ መሬት)፣ ዝተጠናኸረ መጓዓዝያ ኣየርን ዝተመሓየሸ ሎጂስቲክስ፣ ቀረብ ፀዓት፣ ሃፍቲ ተፈጥሮን ማዕድናትን ብብዙሕ መዳይ ንኢንቨስትመንት ምችውትን ሰሓቢትን ሃገር እኳ እንተኾነት እዚ ኩሉ ዕድላት ብሰንኪ እቲ ኣፀጋምን ፅኑዕን ስርዓተ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢን ብዘይምህላዉ ብዝድለ ደረጃ ውፅኢታዊ ኣይኮነን::
ስለዚ ዝሓሸ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ምዝርጋሕ ንወፃኢ ኢንቨስተራት ዕንቅፋት ኮይኑ ዝፀንሐ ኣሰራርሓታት ንምእላይን ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምድንፋዕን ዝሕግዝ ‘ዩ። ሻድሻይ፣ ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ቁጠባ ዘይስርዑን ዘይሕጋውነትን ከተባብዑ ዝፀንሑ ብዙሓት ንግዳዊ ኣሰራርሓታት ንምውጋድ ዝሕግዝ ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ምሕደራ ማዕቀፍ ብባንክታት ሸርፊ ወፃኢ ክመፅእ ዘየተባብዕ፣ ሸርፊ ወፃኢ ዝረኽባ ኩባንያታት ወይ ውልቀሰባት ሸርፊ ወፃኢ ናብ ደገ ከህድሙ ዝገብር ‘ዩ::
ምስ ምስፍሕፋሕ ዘይወግዓዊ ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ መብዛሕትኡ ማሕበረሰብ ንግዲን ተጠቀምቲ ሃዋላን ዝበዝሑ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ክገዝኡን ክሸጡን ይረኣዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ ምምሕያሽ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ነዚ ኩነታት ዕዳጋ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዚ ዓይነት ኢመደበኛ ኣሰራርሓ ብምውጋድ ናብ ተወዳዳሪ፣ ግልፅን ምቹውን ዘመናዊ ስርዓተ ንግዲ ንምእታው ዘተባብዕ ‘ዩ።
ብሓፈሻ እዚ ሪፎርም ሸርፊ ወፃኢ፣ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምቅላል፣ ተወዳዳርነት ሰደድ ንምዕባይ፣ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብን ንውልቀ ሴክተር ንምድጋፍን ዝውሰዱ ብዙሓት ስጉምትታት ሪፎርም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ‘ዩ። ንዕውትነት እቲ ፖሊሲ ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ጉዳያት እኳ እንተሃለዉ ሰፊሕን እኹልን ምድላዋት ተገይሩ ዩ፤
ቐዳማይ፣ መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ትሑት እቶት ዘለዎም ፀቕጢ ንምቅላል ገለ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ መሰረታዊ ኣቑሑት ንግዚኡ ዋጋ ድጎማ ክገብር ወሲኑ ኣሎ። ምስዚ ተኣሳሲሩ መንግስቲ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝጥቀሙሉ ኣርባዕተ መሰረታውያን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት ከም ነዳዲ፣ መዳበርያ፣ መድሓኒትን ዘይቲ ምግቢን ዝኣመሰሉ ኣቑሑት ብሓደ ግዜ ናብ ሸማቲ ከይመሓላለፍ ወሲኑ ኣሎ።
ካልኣይ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ልዑል ናህሪ ዋጋታት ሓቓዊ እተቶም ዝተሸርሸሮም ወገናት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክግበረሎም ‘ዩ። ብምኽንያት ናህሪ ዋጋ ዝበፅሐን ክበፅሕ ዝኽእልን ፅዕንቶታት ንምቕላል ክበሃል ዘሎ ናይ ገንዘብ ፍልፍል ብምጥቃምን ናይ መንግስቲ ጉድለት በጀት ብዘየጋድድ መልክዑ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምኽባር ናብራ መደጎሚ ደሞዝ ንምውሳኽ ተሓሲቡ ‘ዩ:: ከምኡ’ውን ኣብ ከተማን ገጠርን ንዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ትሑት እቶት ዘለዎም ቤተሰባት ዝግበር ናይ ሴፍትኔት ፕሮግራም ብዝለዓለ ደረጃ ክዓቢ ተገይሩ ‘ዩ:: ዝርዝር ኣፈፃፅማ እዞም ስጉምትታት ብሚኒስቴር ፋይናንስ ክግለፅ ‘ዩ።
ሳልሳይ፣ መንግስቲ ንማሕበራዊ ወፃኢታት ንምድጋፍን ንክፍሊት ዕዳ ወፃኢ ዝውዕል ልዑል ናይ ገንዘብ ወፃኢ ኻልኦት ወፃኢታት ብንፁር ምዃኑን ንምርግጋፅን ዝሕግዝ ናይ ወፃኢ ዕዳ ዘቕልል ሓገዝ ተረኺቡ ‘ዩ:: ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ብኣግኡ ምርካብ መንግስቲ ንማሕበራውን ድኽነትን ዝዓለመ ወፃኢታት ዝውዕል ኣመዳድባ ሃፍቲ ከይተኣጓጎልን ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ‘ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝሕግዝ ‘ዩ።
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቕሱ ናይ ምእራም ስጉምትታት ብተወሳኺ ናብቲ ሓድሽ ስርዓተ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ዝግበር ምስግጋር ንምስላጥን ብገንዘብን ፊስካላውን ፖሊሲታት ምውህሃድ ምህላዉ ንምርግጋፅን ኣብ መንጎ ብሄራዊ ባንክን ሚኒስቴር ፋይናንስን ዝግበር ምትሕብባር ተጣናኺሩ ዝቕፅል ይኸውን::
ኣብነት፡- ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንዋጋታት ናህሪ ዘህድኡ ሓደሽቲ መሳርሕታት ገንዘባዊ ፖሊሲ ተግባራዊ ገይሩ ‘ዩ። እቲ ባንኪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ዕብየት ልቓሕ ባንክታት ካብ ዝተገደበ ገደብ ወፃኢ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ወለድ ዝተመስረተ ሓዱሽ ገንዘባዊ ፖሊሲ ተግባራዊ ብምግባር ዕብየት ገንዘባዊ ስርዓት ሪፎርም ሸርፊ ወፃኢ ከይሽርሽርን ዋጋታት ናህሪ ንምቁፅፃር ዝሕግዝን ብተመን ዝተመስረተ እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ገንዘብ ኣብቐረባ እዋን ተግባራዊ ገይሩ ‘ዩ።
ሚኒስቴር ፋይናንስ ንናህሪ ዋጋታት ዘጋድዱ (ንኣብነት ካብ ብሄራዊ ባንኪ ዝውሰድ ከም ቀጥታዊ ልቓሕ ዝመሳሰሉ) ናይ ልቓሕ ሜላታት እንተይተጠቐመ ወፃኢ መንግስቲ ንምዕባይ ዘኽእሉ ስጉምትታት ምትግባር ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ እዋን ስግግር ወፃኢታትን ሸርፊ ወፃኢን መማሕየሽታት ዘስዕብዎም ፅዕንቶታት ንምቕናስ ዝሕግዝ 10.7 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዓቢዪ ፋይናንሳዊ ደገፍ ካብ ናይ ደገ መሻርኽቲ ተረኺቡ ‘ዩ:: እዚ ደገፍ እዚ ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ፣ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ኣለቃሕትን ዘጠቓልል ‘ዩ።
ኮይኑ ግና፣ እቲ ብመልክዕ ክልተኣዊ ተቐማጢ (central bank deposits) ከምኡ ‘ውን ብከረንሲ፣ ልውውጥ (currency swap) መልክዕ ዝመፅእ 2.8 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ካብ ባንኪ ዓለም፣ ካብ ዓለምለኸ ኮርፖሬሽን ፋይናንስን (IFC)ን ካልኦት በዓል ብዙሓት ወገናት (multilaterals) ክርከብ ትፅቢት ዝግበረሉን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ከይዲ እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ዕላዊ ዝግበር ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ ዘካትት ኣይኮነን:: እዚ ብዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ዝልገስ ፍሉይ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ መንግስቲ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ጥንካረ ዘገናዘበን ኮይኑ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዓበይቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ሓደ ‘ዩ።
ኣብ ዝቕፅል ዝውሰዱ ስጉምትታት
ምትግባር ምምሕያሻት ሸርፊ ወፃኢ፣ ምስ ካልኦት ደገፍቲ ማክሮ ስጉምትታት ተደሚሩ፣ ኢትዮጵያ መፃኢ ዕብየታን ብልፅግናኣን ንምቅልጣፍ ርኡይ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ። ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ወሰንቲ ዕንቅፋታት ብምውጋድ ዓብዪ ምዕባለ ከርኢ ትፅቢት ይግበር።
ብመሰረት ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ትንታነ ውድብ ፋይናንስ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ስጉምትታት ሪፎርም፣ ዕብየት ንምቅልጣፍ፣ ዋጋታት ናህሪ ንምንካይ፣ ዓቕሚ ፊስካል ንምዕባይ፣ ሰደድን ኢንቨስትመንትን ወፃኢ ንምስፋሕ፣ ዓለምለኻዊ ዕቑር ሸርፊ ወፃኢ ሃገርና ንምዕባይ ዓብዪ ኣበርክቶ ይህልዎ::
ከምኡ ‘ውን ብመሰረት እዚ ትንበያ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ብምኽንያት ዝተወስዱ ስጉምትታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ብማእኸላይ 8 ሚኢታዊ ክዓቢ ‘ዩ፤ ዝቕባበ ዋጋ ናብ 10 ሚኢታዊ ዝተፀገዐ ክኸውን ‘ዩ፤ እቶት ግብሪ ካብ GDP ዘለዎ ብፅሒት 11 ሚኢታዊ ክበፅሕ ‘ዩ፤ ዕዳ መንግስቲ ካብ ጠቕላላ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ዘለዎ ብፅሒት ናብ 35 ሚኢታዊ ክወርድ ‘ዩ፤ ዋጋ ንግዲ ሰደድን ዝኣትውን ናብ 20 ቢልዮን ዶላር ክዓቢ ‘ዩ::
ቀጥታ ናይ ወፃኢ ኢንቨስትመንት ናብ 8 ቢልዮን ዶላር ክዓቢ ‘ዩ፤ ዓለምለኻዊ ዕቑር ሃፍቲ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር (ን3.3 ኣዋርሕ ዋጋታት ኣቑሑት ንምሽፋን ዝኣክል) ክኸውን ‘ዩ። እዞም ትንበያታት እዚኦም ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ብምኽንያት እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምምሕያሻት ክመፅእ ዝኽእል ደረጃ ቁጠባዊ ምስግጋር ዘመልክቱ ‘ዮም።
ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናትን ኣዋርሕን ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ርጉእ ሃዋህው ዋጋ ንምርግጋፅ ዘለዎ ቁልፊ ሓላፍነቱ ጎኒ ጎኒ ኣብ ምፍፃም ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ ዕዉትን ውፅኢታውን ንምግባር ትኹረት ክገብር ‘ዩ። ነዞም ዕማማት ንምፍፃም እቲ ባንኪ ኣብተን ቀዳሞት ሰሙናት ብዛዕባ እቲ ፅገና ኣድላዪ ሓበሬታ ንህዝብን ተዋሳእቲ ዕዳጋን ብመልክዕ መግለፂ ክህብ ‘ዩ።
በዚ መሰረት ዝወሃቡ መብርሂታት ከምዚ ዝስዕብ ክኾኑ ‘ዮም፡-
ኣብ ዕዳጋ መሰረት ገይሩ ዝዳሎ ተመን ሸርፊ ወፃኢ መዓልታዊ ሓበሬታ ምሃብ፤ ከም ኣድላይነቱ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ (ጠቕላላ መጠን ቀረብን ሸርፊ ተመኑን ዘካተተ) ሓበሬታ ምሃብ፤ ብዛዕባ ውዕሎ ኩነታት ዕዳጋ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ካልእ ወረታትን ከምኡ’ውን መልሲ ዘድልዮም ዓበይቲ ጉዳያት ሓበሬታን መብርህን ምሃብ። ብዛዕባ እቲ ሓዱሽ መምርሒ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ባንክታት፣ ዓማዊልን ሓፈሻዊ ህዝብን ዝቐርቡ ሕቶታት መብርሂ ምሃብ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ንስራሕቲ ቁፅፅርን ምክትታልን ፍሉይ ትኹረት ክህብ ‘ዩ። መብዛሕትኡ ስራሕቲ ሸርፊ ወፃኢ ብውክልና ንባንክታት ዝተዋህበ ስለዝኾነ፣ ብፍላይ ብሄራዊ ባንኪ ነቲ ሓዱሽ መምርሒ ሸርፊ ወፃኢ ብጥብቂ ንምትግባር ብጥብቂ ክከታተል ‘ዩ::
ብፍላይ ድማ ሸርፊ ወፃኢ ንሕጋዊ ትራንዛክሽን ጥራይ ምውዓሉ የረጋግፅ:: ካብዚ ብተወሳኺ ባንክታት ብናይ ሰደድ ኣታዊ ስለዝርከብ ክፍፍል ሸርፊ ወፃኢ (export retention) ዝወፁ ደንቢታት ብዛዕባ ባንክታት ዕለታዊ ሸርፊ ወፃኢ ሃፍትን ዕዳን ዝተቐመጡ ገደባት (dally net open position) ከምኡ ‘ውን ፀረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ (Anti-Money Laundering) ምቑፅፃር ዝተዘርግሑ ኣሰራርሓታት ብጥብቂ ክፍፅሙ ትፅቢት ይግበረሎም::
ብተመን ዋጋ ሸርፊ ወፃኢ ወይ ብክፍሊት ግልጋሎት ዝምልከት ናይ ምትላል ተግባራት ብጥብቂ ክልኩል ‘ዩ። ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ ቁፅፅርን ምክትታልን ስራሕቲ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ብፍላይ ድማ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ብምጥቃምን ከም ኣድላይነቱ ምስ ፋይናንሳዊ ድሕንነትን ካልኦት ኣኽበርቲ ሕግን ብምትሕብባር ይፍፅም። ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጊ ዝጥሕሱ ስጉምትታት ክውሰድ ‘ዩ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ቅልጡፋት፣ ናፃን ተወዳደርቲን ካብ ዝኾኑ ቁጠባታት ኣፍሪቃ ክትከውን ብዝጀመረቶ ናይ ለውጢ ጉዕዞ፣ ቀንዲ ተዋሳእቲ ሸርፊ ወፃኢን ማሕበረሰብ ባንክታት ከምኡ’ውን ሰፊሕ ሕብረተሰብ ኣብ ዕዉትነት ናይዚ ምምሕያሽ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ እጃሞም ክፃወቱ ፃውዒትና አመሓላሊፉ::
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም