ሰላም ካብ ሰለስተ ፊደላት ዝተመስረተት ሓፃር ቃል እንተኾነት ‘ውን ምስ ሂወት ደቂ ሰባት ዘለዎ ምዝማድ ግና ከም ምሕፃራ ኣይኮነትን።ሰላም ዝብል ቃል ካብ ኣፍን ሓሳብን ደቂ ሰባት ዘይትፍለይ ቃል ‘ያ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን።
ደቂ ሰባት ካብ ድቃሶም ካብ ዝተስኡላ እዋን ጀሚሮም ኣብ ሕድ ሕድ ሰዓታት ደቃይቃት ሰከንድታትን ከይተረፈ ካብ ኣፍናን ካብ ሓሳብናን ዘይትፍለይ ቃል ‘ያ። ሰላም እንትንብል ኲናት፣ ዓመፅ ዘይምህላው ጥራሕ ኣይኮነን፤ ሰላም ማለት ንኹሉ ክብሪን ደሕንነትናን እንገልፀሉን ‘ውን እምበር።
ሰላም ናይ ምህላውና ምልክት ‘ውን ‘ዩ። ንዕዑ ‘ዩ ‘ውን ዝኸውን ምስ ፈተውትና ክንራኸብ ከለና ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ምባልና ዝኾነ ይኹን ምግባርናን እነቀድሞ ነገር እንተሃልዩ ሰላም ደሓንዶ ሓዲርካ/ኪ፣ ሰላም ከመይ ውዒልካ/ኪ፣ ከምይ ፀኒሕካ/ኪ ኢልና ርክብና እንጅምር።እዚ ዘርኢ ሰላም ንደቂ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ንኩሎም ፍጡራት ‘ውን ከይተረፈ ክንደየናይ ኣድላይ ምዃኑ ግልፂ ‘ዩ። ምኽንያቱ ሰላም ዘይብሉ ናብራ ከቢድን መቀረት ዘየብሉን ምዃኑ ዘየከራኽር ሓቂ ‘ዩ።
ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም እዚ እንተበልና ‘ውን ሰላም ሱቅ ኢልና ስለዝደለናያ ጥራሕ ግና ብቀሊሉ እንረኽባ ኣይኮነትን ምኽንያቱ ኽባር ዋጋ ዘለዎን ብጣዕሚ ኣድላይ ዝኾነን ኩሉ ዋጋኡ ኽባር ‘ዩ። ዘኽፍለና ዋጋ ‘ውን ብኡ ምጠን ‘ዩ ዝኸውን። ስለዚ ኣብ ኢድና ዘሎ ሰላም ሰኣን ምዕቃብን ሰኣን ምጥንኻርን ኣባኺንና ከቢድ ዋጋ ካብ እንኸፍል ብገንኡ ንሰላም ዝምችው ስራሕ ክንሰርሕ ‘ዩ ዝግባእ።
ከም መእተዊ ብዛዕባ ሰላም እዚ ካብ በልና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኲናት ብምውልዑ ህዝቢ ሃገርና ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሂወቱን ኣብ ንብረቱን ከቢድ ጉድኣት ኣጋጢምዎ ‘ዩ። ነዚ ንምስጋር ዝተኸፈለ ዋጋ ‘ውን ዝፍለጥ ዩ። ኩላትና ከም እንፈልጦ ድማ ድሕሪ ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣንፃራዊ ሰላም ተራኺቡ፤ እዚ ናይ ብዙሓት ተስፋን ባህግን ዝነብረ ሰላም ናብ ተግባር ተቐይሩ እነሆ ህዝቢ ናይ ሰላም ኣየር ምትንፋስ ምጅማሩ ቀሊል ከምዘይኾነ እናተዛረበ ይርከብ።
ቀደማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዶ/ር ‘ውን ከምዝበልዎ፤” ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብምግባሩ ብኲናት ዝመውት ዝነብረ ሰብ ደው ኢሉ፣ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ዝብሃል ዘይነብረ መንገዲ፣ መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ኣየር መንገዲ ዝኣምሰሉ ተፀጊኑ ስራሕ ተጀሚሩ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝህብ ግዝያዊ መንግስቲ ተመስሪቱ፣ ዝተፈናቀሉ ሰባት ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስ ዝተማልአ እንተዘይኮነ ‘ውን ናብ ራያን ፀለምትን ምስ ፀገሙ እንትኾነ ‘ውን እናተመልሱ ‘ዮም።” በዚ ምኽንያት ድማ እፎይ ምባል ዝጀምሩ እዚ ፅቡቅን ደስ ዝብልን ነገር ኾይኑ፤ ይኹን እምበር ሐዚ ‘ውን ቀሊል ዘይበሃል ቁፅሪ ዘለዎ ሰብ ካብ መረበቱ ብምፍንቓሉ ኣብ ፀገም ኣሎ፡፡
ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገልፅክዎ፤ ሰላም ኲናት ካብ ዘይምህላው ንላዕሊ ብምዃኑ እቲ ዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም ዝበልፀ ንክዓሙቅ ዘላቂን ዘተኣማምን ንክኸውን ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ብምኽንያት ዝተፈላለዩ ፀገማትን ሽቅሊ ኣልቦን እግሩ ናብ ዘምረሖ ፈቃድኡ ስደት ዝኸድ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ዓዱን ኣብ ከባቢኡን ጥጡሕ ባይታ ተመቻችይሉ ንክሰርሕ ኮታስ ኣብ ኩሎም ዓይነታት ዘፈራት ምሉእ ሕውየት ንክመፅእን እቲ ዘሎ ሰላም ክዓሙቅን ዝበለፀ ክስራሕ ኣለዎ። ሰላም መሰረት ኩሉ ምዕባለ ስለዝኾነ ኩሉ ኣካል ናይ ኩሉ ግዜ ስትራቴጂክ ስርሑ ገይሩ ክወስዶ ኣለዎ፡፡
ሰላም ዘይምህላው ብዙሕ ፀገም ‘ዩ ዘለዎ፡፡ ብሰንኪ እቲ ኩናት ብዙሕ ሰብ ናብ ውሽጥን ደገን ተማዛቢሉ ዝኸፍአ ሂወት እናሕለፈ ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ። ንኣብነት ናብ ሱዳን ዝተመዛበ ህዝቢ ቐሊል ኣይኮነን፡፡ ናዕቢን ኩናትን ኣብታ ሃገር ብምህላው ድማ ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ካብቲ ከባቢ ዝዝርግሑ ሓበሬታት የመላኽቱ ‘ዮም። ስለዚ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሓመቀ ዝመፅእ ዘሎ ናብራን ስግኣትን፤ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ጫፍ ከይበፅሐ ማለት ‘ውን ንኻሊእ ሞትን ተወሳኺ ሕማምን ከይተሰጋገሩ ቅልጡፍ መፍተሒ ክናደየሎምን ተቋደስቲ እቲ ዝሎ ኣንፃራዊ ሰላም ‘ውን ክኾኑ ስለዝግብኦም ውሕስነኦም ተረጋጊፁ ኻብቲ ዘለውዎ ፀገም ንክወፅኡ ክስራሕ ይግባእ።
ብሓፈሻ እቲ ብሰንኪ ስእነት ስላም ኣብ ሕማቅ ሂወት ዘሎ ማሕበረሰብ እንተነኣሰ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነብሮ ህይወት ንክምለስ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ እዚ ብዋናነት መንግስቲ ዝለዓለ ግደን ሓላፍነትን ዘለዎ እኳ እንተኾነ በይኑ ዝዋፀኦ ስለ ዘይኮነ ናይ ውሽጢ ዓድን ዓለምለኸ ገበርቲ ሰናይን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምውዳድ ክስራሕ ይግባእ። እዚ እንትግበር ድማ እቲ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ብቅሉጥፍ ንክዓሙቅን ንክዓዝዝን ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ይግባእ።
ኣብ መጠቃለሊ መንግስቲ ንሰላም ዝኾነ ይኹን ዋጋ ንምኽፋል ድልዊ ‘ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምግላፆም ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ሓደ እዋን ከምዘበለዎ፤ ሐዚ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ክዓሙቅ፣ ኩሉ ዕማማትና ብዝተኸአለ መጠን ብሰላምን ብሰላምን ጥራሕ ክውዳእ እምበር ንፃት ‘ውን እንተኾነ ኲናት ዘይንመርፆ ‘ዩ።
ስለዚ ሰላም ናይ ኩሉ ግዜ ስትራቴጂክ ሕርያና ክኸውንን ኣለዎ፡፡ ባህጊን ትምኒትን ህዝብና ክሰምር፣ ዋኒን ኩሉ ምሁር፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ቤተ-እምነትን፣ ዓበይቲ ዓዲን ፖለቲከኛታትን ኢሉ ‘ውን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝነብር ዳያስፖራ ሰላም ዋኒኑ ክገብር ይግባእ፡፡
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም